14 ርእሱን ፀጕሩን ከም ፀምሪ፥ ከም በረድውን ፃዕዳ ነበረ፤ ኣዒንቱውን፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ነበራ፤
ሰብነቱ ኸም ዘንፀባርቕ ዕንቊ፥ ገፁ ኸም መብረቕ፥ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ፋና፥ ቀላፅሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ነሃስ፥ ድምፂ ቓላቱ ድማ ኸም ድምፂ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።
ዙፋናት ክሳዕ ዝዝርግሓ ድማ ጠመትኩ፤ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ከዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተቐመጠ። ክዳውንቱ ፃዕዳ ኸም በረድ፥ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ ኸም ፅሩይ ፀምሪ ነበረ። ዙፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ፥ መንኰራዅሩ ድማ ኸም ጕሁር ሓዊ ነበረ።
ትርኢቱ ኸም መብረቕ ዘንፀባርቕ፥ ክዳኑ ድማ ኸም በረድ ፃዕዳ ነበረ።
ኣዒንቱ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤ ኣብ ርእሱውን፥ ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፤ ኣብ ልዕሊኡውን፥ እንትርፊ ባዕሉ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ዝተፅሓፈ ስም ኣለዎ።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ትያጥሮንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስላ ኣዒንቲ ዘለዋኦ፥ ኣእጋሩውን ዘንፀባርቕ ነሃስ ዝመስል ወዲ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦