Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 1:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ብቕልጡፍ ክኸውን ዘለዎ፥ ንኣገልገልቱ ምእንቲ ኽገልፀሎም ኢሉ፥ እግዚኣብሄር ንመልኣኹ ልኢኹ፥ ንኣገልጋሊኡ ዮሃንስ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለፀሉ ራእይ እዙይ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 1:1
30 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ሓይሎም እዩ፤ ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም።


ካብ ማእኸል ሩባ ኡባል ድማ “ገብርኤል፥ ትርጉም እዝ ራእይ እዙይ፥ ነዝ ሰብ እዙይ ግለፀሉ” ዝብል ድምፂ ሰብ ሰማዕኹ።


እናፀለኹ እንተለኹ፥ እቲ ቕድም ብራእይ ሪአዮ ዝነበርኩ ሰብ፥ ገብርኤል ቀልጢፉ እናበረረ ናባይ መፂኡ ዳህሰሰኒ። ሽዑ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ነበረ።


ንስኻ የመና ዝተፈተኻ ስለ ዝኾንካ፥ ገና ፀሎት እንትትጅምር፥ ትእዛዝ ተውሂቡ እዩ፤ ኣነውን ክነግረካ መፂአ ኣለኹ። ስለዙይ ነዝ ነገር ኣቕልበሉ፤ ነዝ ራእይ እዙይውን ኣስተውዕሎ።


ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ።


እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ እምበር፥ ኣነ ኻብ ባዕለይ ኣይተዛረብኩን።


ባርያ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ደጊም ኣዕርኽተይ እምበር፥ ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና፥ እቲ ዅሉ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።


እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብኩዎም፤ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝመፃእኹ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፤ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ።


ነቲ ምስክሩ ደኣ ዝቕበሎ የለን እምበር፥ ንሱስ ነቲ ዝረአዮን ዝሰምዖን እዩ ዝምስክር።


ብዛዕባኻትኹም ብዙሕ ዝዛረቦን ዝፈርዶን ኣለኒ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ኣነውን ነቲ ኻብኡ ዝሰማዕኽዎ፥ ንዓለም እነግር ኣለኹ” በሎም።


ነቲ፥ ብመሰረት እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዝተገልፀ ምስጢር፥ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፥ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስበኾ ዘሎን ገይሩ፥ ኣብ እምነትኩም ከፅንዐኩም ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ይኹኖ።


ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝገለፀለይ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን፤ ካብ ሰብውን ኣይተምሃርክዎን።


ከምቲ ኣቐዲመ ብሓፂሩ ፅሒፈልኩም ዝነበርኩ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ።


ኣገልጋሊ እግዚኣብሄርን፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይቶም ሕሩያት ኣምላኽ ንእምነት ክሃንፅ፥ ነቲ ናብ ቅድስና ዘብፅሕ፥ ፍልጠት ሓቂ ኽሰብኽ ካብ ዝተፀውዐ ጳውሎስ።


እምበኣርከስ ነቲ ዝረአኻዮን፥ ነዝ ዘሎን፥ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎን ፀሓፍ።


ኣነ፥ ኣብቲ ብኢየሱስ ዝረኸብናዮ መንግስቲ መዋርስትኹም፥ ኣብ መከራኹምን ብትዕግስቲ ምፅናዕኹምን፥ መኻፍልትኹም ዝኾንኩ ሓውኩም ዮሃንስ፥ ምእንቲ ቃል እግዚኣብሄርን፥ ምእንቲ ምስክር ኢየሱስን፥ ኣብታ ፍጥሞ እትበሃል ደሴት እንተለኹ፥


ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤


ኣነ ድማ ነቲ መልኣኽ ክሰግደሉ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወደቕኩ፤ ንሱ ግና “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነውን፥ ከማኻን ከምቶም ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ዝሕልዉ ኣሕዋትካን፥ ኣገልጋሊ እየ፤ ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ፤ እቲ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት፥ ናይ ትንቢት መንፈስ እዩ እሞ” በለኒ።


ብድሕሪዙይ እቲ መልኣኽ፥ “ ‘እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ በጊዕ ዝተዓደሙ፥ ብፁኣን እዮም’ ኢልካ ፀሓፍ” በለኒ። ኣስዒቡ ኸዓ፥ “እዙይ ናይ ብሓቂ ቃል እግዚኣብሄር እዩ” በለኒ።


እታ ቕድስቲ ኸተማ፥ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም ዝተሸለመት መርዓት ተዳልያ፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ረአኽዋ።


ካብቶም ናይ መወዳእታ ሸውዓተ መዓት ዝመልኡ፥ ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ “ነታ መርዓት፥ ሰበይቲ እቲ በጊዕ፥ ከርእየካስ ነዓ” በለኒ።


ድሕሪዙይ፥ እቲ መልኣኽ፥ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ካብ ዙፋን እቲ በጊዕን ዝወፅእ፥ ከም ብርለ ዝምፅራዩ፥ ፈለግ ማይ ህይወት ኣርኣየኒ።


“ኣነ ኢየሱስ፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኣብተን ኣብያተ ክርስቲያናት ክምስክረልኩም ኢለ፥ መልኣኸይ ለኣኽኩ። ኣነ፥ ካብ ሱር ዳዊትን፥ ዘርኡን ዝኾንኩ እየ፤ እቲ ብሩህ ኮኸብ ፅባሕውን እየ” በለ።


ሽዑ እቲ መልኣኽ፥ ከምዙይ በለኒ፦ “እዘን ቃላት እዚኣተን፥ እሙናትን ሓቅን እየን። ጐይታ ኣምላኽ መናፍስቲ ነቢያት፥ ነቲ ቐልጢፉ ክኸውን ዝግብኦ ነገር፥ ንኣገልገልቱ ኸርእዮም መልኣኹ ለኣኸ።”


ነዝ ነገር እዙይ፥ ዝሰማዕኽዎን ዝረአኽዎን፥ ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኹን ምስ ረአኹን ከዓ፥ ኣብ እግሪ እቲ ነዝ ነገር እዙይ ዘርአየኒ መልኣኽ ክሰግድ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ተደፋእኹ።


ንሱ ኸዓ “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነስ ከማኻን፥ ከምቶም ኣሕዋትካ ነቢያትን፥ ከምቶም ንቓል እዝ መፅሓፍ እዙይ ዝሕልዉን፥ ኣገልጋሊ እየ። ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ” በለኒ።


ድሕሪዙይ፥ እንሆ ኣብ ሰማይ፥ ክፉት ኣፍ ደገ ረአኹ። እቲ ኸም መለኸት ዝጥዕም፥ ቅድም ክዛረበኒ እንተሎ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ድማ፥ “ነቲ ብድሕሪ ሕዚ ክኸውን ዘለዎ ነገር ከርእየካስ፥ ነዓ ናብዙይ ደይብ” በለኒ።


ንሱ መፂኡ፥ ነቲ መፅሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ ወሰዶ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos