Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መዝሙረ ዳዊት 99:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ኦ ጐይታ ኣምላኽና፥ ንስኻ ሰማዕኻዮም፤ ኦ ጐይታ ንስኻ መሓርካዮም፤ ንዅሉ ኽፉእ ስራሖም ግና ሕነ ፈደኻዮም።

Ver Capítulo Copiar




መዝሙረ ዳዊት 99:8
16 Referencias Cruzadas  

ግና በዝ ነገር እዙይ ነቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር ግሁድ መላገፂ ስለ ዝሃብካዮም እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ኽመውት እዩ” በሎ።


ንሱ ግና መሓሪ እዩ፤ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ ኣየጥፍኦምንውን፤ ንቝጥዓኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፤ ብዅሉ መዓቱ ድማ ኣየቃፀለን።


ምሕረተይ ግና ኻብኡ ኣየርሕቕን፤ ብተኣማንነተይ ኣይዕምፅን።


ኣሮን ድማ “እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቐለበታት ኣኪብኩም ኣምፅኡለይ” በሎም።


ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ሕያዋይነቱ ዝሕሉ፥ ዓመፅን ምጥሓስን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል፥ ንበዳሊ ግና ኸም ንፁህ ዘይርኢ፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቅን ኣብ ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ” እናበለ ኣወጀ።


እግዚኣብሄር ንሰባት ቅኑዓት ገይሩ ኸም ዝፈጠረ፥ ነዙይ ጥራሕ ረኸብኩ፤ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።


ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣነ ምሳኻ እየሞ ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንዅሎም እቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየሞ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን፤ ግቡእ ቅፅዓት እቐፅዐካ እምበር፥ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።”


ኣነ ድማ ደጊምስ ከኽብሩንን ተግሳፀይ ክቕበሉን፥ ምእንቲ መንበሪኦም ከይጠፍእ፥ ነቲ ዝኣዘዝኩዎምውን ኣይርስዑን እዮም ኢለ ነይረ፤ ንሳቶም ግና ኣንጊሆም ግብሮም ኣርከሱ።”


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩም፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም” በሎም።


“ኣብ ማይ መሪባ ኽልቴኹም ንትእዛዘይ ስለ ዝጠሓስኩምዎ፥ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ እንተይኣተወ፥ ክመውት እዩ።


ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ።


እግዚኣብሄር ግና ብሰንክኹም ተቘጥዐኒ፤ ምስማዕ ከዓ ኣበየኒ። ኣስዒቡ ድማ ‘ይኣኽለካ፤ በዝ ነገር እዙይ መሊስካ ኣይትዛረበኒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos