5 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ ኣብ መርገፂ እግሩ ስገዱ።
ሽዑ ንጉስ ዳዊት ብእግሩ ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይን፥ ስምዑኒ፤ ኣነ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እግሩ ዘዕርፈላ ንታቦት ኪዳን ዝኸውን ቤት ክሰርሕ ሓሲበ ነይረ። ዘድሊ ምድላውውን ገይረ ነይረ።
ኣብ ማእኸል ጉባኤ ህዝቢ ልዕል ልዕል የብልዎ፤ ኣብ ባይቶ ሽማግለታት ድማ ይወድስዎ።
ኦ ጐይታ፥ ኣብ ሰማያት ልዕል ልዕል በል፤ ክብርኻውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ አመስግነካ ኣለኹ፤ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ እየ፤ ሰሚዕኻኒ ኢኻሞ፥ መድሓኒትውን ኴንካኒ ኢኻሞ አመስግነካ ኣለኹ።
ናብ መሕደሪኡ ኽንኣቱ ኢና፤ ኣብ መርገፂ እግሩውን ክንሰግድ ኢና።
ኦ ጐይታ፥ ብሓይልኻ ልዕል ልዕል በል! ንፅንዓትካውን ክነመስግንን ክንዝምርን ኢና።
ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኴንኩም፥ ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ ንስሙውን ሓቢርና ልዕል ልዕል ነብሎ።
ግሩምን ቅዱስን እዩሞ፥ ኵሎም ነቲ ዓብዪ ስምካ የመስግንዎ።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅዱስ እምባኡ ስገዱ።
እግዚኣብሄር ሓይለይን ዝማሬይን እዩ፤ ንሱ መድሓኒየይ ኮነለይ፤ ንሱ ኣምላኸይ ስለ ዝኾነ፥ ከኽብሮ እየ፤ ኣምላኽ ኣቦይ እዩ እሞ፥ ልዕል ልዕል ከብሎ እየ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ከምዙይ ክትብሉ ኢኹም፦ “ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ስሙውን ፀውዑ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ግብርታቱ ኣፍልጡ፤ ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ፥ ከመይ ዝበለ እዩ?
ህዝበይ ብምዕማፅ፥ ልቡ ኻባይ ረሓቐ። ናብቲ ልዑል እንተ ፀውዕዎም እኳ፥ ልዕል ልዕል ከብሎም ኣይኽእልን።”
ንዅሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ።