3 ፀላእተይ ንድሕሪት ምስተመለሱ፥ ሰንከልከል ኢሎም ካብ ቅድሜኻ ኽጠፍኡ እዮም።
ንስኻ ግና፥ ንስኻ ግሩም ኢኻ፤ ንመዓትካ መን ይቃወሞ?
ብሓዊ ተቓፂላ ኣላ፤ ተነቒላውን ኣላ፤ ካብ ተግሳፅ ገፅካ ዝተልዓለ ይጠፍኡ ኣለዉ።
ኦ ጐይታ፥ ተስፋይ ንስኻ ኢኻ፤ ንልዑልውን መፀግዒኻ ገበርካዮ፤
ብንግሆ ምሕረትካ፥ ብለይቲውን ተኣማንነትካ ምንጋር ሰናይ እዩ።
ዘይተፀበናዮ ዘገርም ግብሪ ምስ ገበርካ፥ ወረድካ እሞ እምባታት ኣብ ቅድሜኻ ኣንቀጥቀጡ።
ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ፥ ካብ ግርማ ሓይሉ ኽርሕቑ፥ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣትውን ክቕፅዑ እዮም።
ድሕሪዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን፥ ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን፥ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።