4 ንድኻን ንምስኪንን ኣናግፉ፤ ካብ ኣእዳው ሓጥኣንውን ኣናግፍዎም።
ሓገዝ ደልዮም ንዘእውዩ እረድኦም ነበርኩ፤ ነቶም ረዳኢ ዘይብሎም ደኽታማትውን ኣናግፎም ነበርኩ።
እግዚኣብሄር ንድኻታት ፍርዲ፥ ንምስኪናት ፍትሒ ኸም ዝገብር ፈለጥኩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍትሕን ፅድቅን ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተ ኸዓ ኻብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን፥ ኣይትበድሉን ኣይትዓምፁን፤ ኣብዝ ስፍራ እዙይውን ንፁህ ደም ኣይተፍስሱ።