6 “ዝባኑ ኻብ ሸኽሚ፥ ኣእዳዉውን ካብ ተገዛእነት ከፈር ኣርሓቕኩ።
እዚኣቶም ኣብ ነታዪምን ግደራን ዝነብሩ ሰራሕቲ መሬት ነበሩ። ስራሕ ንጉስ እናገበሩ ኸዓ ኣብኡ ይቕመጡ ነበሩ።
እስራኤል ካብ ግብፂ፥ ቤት ያእቆብውን ካብ ቋንቋኡ ዘይፍለጥ ህዝቢ ብዝወፁሉ ጊዜ፥
ንስም እግዚኣብሄር ከመስግኑ፥ ንእስራኤል ምስክር ክኾኑ፥ ነገዳት እግዚኣብሄር ናብኡ ኽድይቡ እዮም።
ኣብ ማእኸል ርስትታት እንተ ሓደርኩም፥ ካብ ብሩር ከም ዝተሰርሑ ኣኽናፍ ርግቢ፥ ብቘፅሊ ወርቂ ኸም ዝተለበጡ፥ ክንቲታት ኢኹም።
ብርቱዕ ስራሕ፥ ጭቃ ብምፅባርን ጡብ ብምስራሕን ብዅሉ ስራሕ ማሕረስን፥ ህይወት ከም ዝመሮም ገበሩ። ኣብ ኵሉ ዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ ይጭክኑሎም ነበሩ።
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ፆሩ ኻብ ማእገርኩም፥ ነርዑቱ ድማ ኻብ ክሳድኩም፥ ከውርዶ እዩ። እቲ ኣብ ክሳድኩም ዘሎ ኣርዑት ከዓ፥ ካብ ምርጓዱ ዝተልዓለ ኽስበር እዩ” ይብል ኣሎ።
ከምቲ ቐደም ኣብ ምድያም ዝኾነ፥ ነቲ ዝኸበዶም ኣርዑትን፥ ነቲ ኣብ ማእገሮም ዝነበረ በትርን፥ ንዘንጊ መጨነቒኡን ሰበርካዮ።
ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።