4 እዙይ ንእስራኤል ስርዓት እዩ፤ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ፍርዲውን እዩ።
ከምኡውን ብመዓልቲ ሓጐስኩም፥ ብምዱብ በዓላትኩምን በቲ ኣብ ሰርቀ ወርሒ ዝብዕል በዓላትኩምን፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ምስጋናኩምን ክተቕርቡ እንተለኹም መለኸት ንፍሑ፤ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም መዘከርታ ክኾኑኹም እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።”
ኣብ መጀመርታ ዅለን ኣዋርሕ ድማ ኽልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።