2 መዝሙር ኣልዕሉ፤ ከበሮ ውቕዑ፤ ዘሐጕስ በገና ምስ መሰንቆ፥
እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን ድምፆም ብሓደ ኣስምዑ። ብመለኸትን ብፀናፅልን ብኻልእ ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃን ተሰንዮም፥ “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ምሕረቱ ኸዓ ንዘለኣለም እዩ” እናበሉ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ሽዑ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደመና መልኦ።
ደድሕሪኣቶም ድማ መዕሴያን ሸማያን ኣልኣዛርን ኦዚን ይሆሓናንን መልክያን ዔላምን ዔፅርን ቆምን ሰዓቡ። እቶም ዘመርቲ ኸዓ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፤ ይዝረሕያ ድማ ሓለቓኦም ነበረ።
ኦ ኣምላኸይ፥ ንስኻ መፀግዕየይን ምሕረተይን ኢኻሞ፥ ኦ ረዳእየይ፥ ንኣኻ ንኣምላኸይ ክዝምር እየ።
ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብእምብልታን፥ ብመሰንቆን፥ ንኣኻ ምምስጋን ሰናይ እዩ።
ነቢይት ማርያም ሓፍቲ ኣሮን ከበሮ ሒዛ ተልዓለት፤ ኵለን ኣንስቲ ድማ ኸበሮ ሒዘን ብስዕስዒት ደድሕሪኣ ወፃ።
መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ።
ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን፥ ንስንሳትኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ፥ ብምሉእ ልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን፥ ኣመስግኑ።
ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ።
ኣብ ማእኸልኩም መከራ ዝቕበል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ይፀሊ፤ ዝተሓጐሰ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ መዝሙር ምስጋና ይዘምር።