16 ስብሒ ስርናይውን መብልዖም ነይሩ፤ ካብ ኰዅሒውን መዓር መፅገቦም ነይሩ።”
መንገደይ ብጠስሚ ይሕፀብ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥ እምኒ፥ ዘይቲ የውሕዘለይ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥
ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ገበረ፤ ብስብሒ ስርናይውን ኣፅገበኪ።
ደቂ ጓና ኣረጉ፤ ብመንገዶምውን ተሰናኸሉ።
ዓውድታት ከዓ እኽሊ ኽመልኡ እዮም፤ መፅመቚታትውን ወይንን ዘይትን፥ መሊኡ ትርፍርፍ ክብል እዩ።
ንኣኣቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነሎም፥ ክፈርሑንን ኵሉ ትእዛዛተይውን ክሕልዉን፥ ከምዙይ ዝበለ ልቢ እንተ ዝህልዎም መን ምሃበ!
እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸዓ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ፀሓይ እንተይዓረበት፥ “ካብ መዓር ዝጥዕምስ እንታይ ኣሎ? ካብ ኣንበሳ ዝሕይልከ መን ኣሎ?” ኢሎም መለሱሉ። ሶምሶን ድማ፦ “ብኣርሐይ እንተ ዘይትሓርሱስ፥ ነዝ ሕንቅሕንቅሊተይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም” በሎም።