11 “ህዝበይ ግና ቓለይ ኣይሰምዑንን፤ እስራኤልውን ኣየዳመፁንን።
ሽዑ ንሱ “ኪዲ እሞ ኻብ ወፃኢ፥ ካብ ኵለን ጐረባብትኺ ጥራሑ ዝኾነ ዓታሩ ኸም ክእለትኪ ኣብዚሕኺ ለምኒ።
ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ኸም ዘውፅአኩም ሎሚ ምሸት ክትፈልጡ ኢኹም።
“ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ።
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
ንምኽረይ ስለ ዘይፈተኹምዎን፥ ንተግሳፀይውን ስለ ዝነዓቕኩምዎ፥
ስለዙይ “እንሆ ‘እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዘይበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ።
“ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፥ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱለይ፤ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ኣፅመሙ።
ምስ መፀ ድማ፥ ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይፀንሖ።
“ያእቆብ ግና በልዐ ሃጠረ እሞ ተራግሐ፤ ሰብሐ፥ ገዘፈ፥ ሰፍሐ፤ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ሓደጎ፤ ንኰዅሒ ምድሓኑ ነዓቖ።
ንዝወለዶም ብርቱዕ መድሓኒ፥ ሓደግዎ፤ ንዝፈጠሮም ኣምላኽውን ረስዕዎ።”
ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
ንወዲ እግዚኣብሄር ዝረገፀ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ፥ ነቲ ፀጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግዳ፥ ክንደይ ዝገደደ ቕፅዓት ዝግብኦ ይመስለኩም!