10 ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኩኻ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ኣነውን ክመልኦ እየ።”
ንሱ ንዝጠመየት ነፍሲ ኣፅጊቡ እዩሞ፤ ንዝዓረቐት ነፍሲውን ብበረኸት መሊኡ እዩሞ።
“ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
“ብዘይ ዘኣይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
ካብታ ኸም እቶን ሓጐዶ ዝኾነት ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ክእዘዙንን፥ ኵሉ ዝበልክዎም ክፍፅሙን ነገርክዎም። እንተ ደኣ ተኣዚዞምኒ ህዝበይ ከም ዝኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ከም ዝኸውን ነገርክዎም።
ግና ዅሎም እስራኤል ፅቡቕ ዝኾነ ነገር ኣወገዱ፤ ፀላኢ እውን ክሰጕጎም እዩ።
ኣባይ ትነብሩ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ እትደልይዎ ለምኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ።
በታ እዋን እቲኣ፥ ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።
በታ ዳሕረወይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል፥ ኢየሱስ ደው ኢሉ ብዝለዓለ ድምፂ “ዝፀምአ እንተ ሃልዩ ናባይ መፂኡ ይስተ።
ብዘይ ኣነ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
“ሕዚ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ብፍፁምነትን ብቕኑዕ ልብውን ኣምልኽዎ፤ ነቶም ኣብ ሰገር ሩባን ኣብ ግብፅን ኣቦታትኩም ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣወጊድኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምልኹ።
“እምበኣር ሕዝስ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣወግድዎም እሞ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቢልኩም ኣቕንዑ።”
ሽዑ “ተፈፀመ፤ ኣልፋን ኦሜጋን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ንዝፀምአ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ክሰቲ፥ ብኸምኡ ኽህቦ እየ።
መንፈሱን እታ መርዓትን፥ “ነዓ” ይብሉ ኣለዉ፤ እቲ ዝሰምዕውን “ነዓ” ይበል። ዝፀምአ ኸዓ ይምፃእ፤ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።