1 ብዝረድአና ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልኩም፤ ንኣምላኽ ያእቆብውን ዕልል በሉ።
‘እቲ ኣሕዋትካ ዝበደሉኻ ይቕረታ ኸም እትገብረሎም ሕድርኻ፥ በልዎ’ ኢሉና ነይሩ። ሕዚ ኸዓ ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ናይ ዝኾንና በደል ይቕረ ኽትብል፥ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ ምስ ተዛረብዎ በኸየ።
ስም ደቂ ጌድሶን ድማ እዙይ እዩ፦ ሊብኒ፥ ሰሜኢ እዮም።
እግዚኣብሄር ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤ ልበይ ብእኡ ኣመነ፤ ኣነውን ተረዳእኹ፤ ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ።
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብ መፀግዒና እዩ።
ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ እግዚኣብሄር ተናገረ፤ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መዕረቢኣ፥ ንምድሪ ፀውዓ።
“ንእግዚኣብሄር ሓጋዚኡ ዘይገበረ ኣብ ብዝሒ ሃብቱ ዝተኣመነ፥ ብኸንቱ ነገር ዝበርትዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ እንሆ።”
ኵልኹም ኣብ ምድሪ ዘለኹም፥ ንእግዚኣብሄር ዕልል በሉ።
ንኣህዛብ ብቕንዕና ትፈርደሎም ኢኻሞ፥ ኣብ ምድሪ እውን ንኣህዛብ እትመርሖም ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ኣህዛብ ይተሓጐሱ፤ ሓሴትውን ይግበሩ።
ኦ ጐይታና! ስምካ ኣብ ኵሉ ምድሪ የመና ተመስገነ፤ ምስጋናኻ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለ ያእቆብ ብደስታ ዘምሩ፤ ስለ እቲ ሓለቓ ኣህዛብ ዕልል በሉ፤ ዓው ኢልኩም ምስጋናኹም ኣስምዑ፤ እግዚኣብሄር፥ ንተረፍ ህዝብኻ እስራኤል ኣድሕን” በሉ።
በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።