3 ስራሕ ኣፃብዕትኻ ንዝኾኑ ሰማያትን፥ ነቶም ዝፈጠርካዮም ወርሕን ከዋኽብትን ምስ ረአኹ፥
እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።
“እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይዶ ልዕል ልዕል ኣይብልን? ከዋኽብቲውን ከመይ ልዕል ልዕል ከም ዝበሉ ተመልከት።
ብሓቂ ንሰራዊቱዶ ቝፅሪ ኣለዎም እዩ? ብርሃኑኸ ኣብ ልዕሊ መን እዩ ዘይወፅእ?
ወርሒ እኳ ኣብ ቅድሚኡ ብርህቲ ኣይኮነትን፤ ከዋኽብትውን ንፁሃት ኣይኮኑን፤ እዝ በስባስን ሓሳኽን ዝኾነ መዋቲ ሰብ ግዳ ኸመይ ይንእስ!”
ነቲ ሰባት ዝወደስዎ ስራሑ፥ ንኽተኽብርውን ሕሰብ።
ንወርሒ መፍለዪ ጊዜታት ገበርካ፤ ፀሓይውን ዝዓርበሉ ይፈልጥ እዩ።
ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ብዅሎም እቶም ዝሕጐሱላ ተደላዪት እያ።
ፀሓይን ወርሕን፥ ኣመስግናኦ፤ ኵልኹም ከዋኽብትን ብርሃናትን ኣመስግንዎ።
ሰማያት ክብሪ እግዚኣብሄር ይናገሩ ኣለዉ፤ ናይ ሰማይ ጠፈርውን ግብሪ ኣእዳዉ የውርዩ።
ብቓል እግዚኣብሄር ሰማያት ፀንዑ፤ ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ።
ሰማያት ናትካ እዮም፤ ምድሪ እውን ናትካ እያ፤ ንዓለም ብምልእታ ንስኻ መስረትካያ።
እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ በፃብዕቲ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃቦ።
እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም ካብ ኮንኩ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም መፂኣ እያ።
ዘመኻንይዎ ምእንቲ ኽስእኑስ፥ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ተርእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሄር፥ ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን፥ በቲ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኣፀቢቑ ተግሃደ።
ንፀሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን፥ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይን ርኢኹም ከይተምልኽዎም። እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ከገልግሉ ዝሃቦም እዮም እሞ፥ ክትሰግዱሎምን ክተገልግልዎምን ኢልኩም ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ።