2 ብኣፍ ቈልዑን ህፃናትን፥ ምስጋና ኣዳለኻ፤ ምእንቲ ፀላእትኻ፤ ንፀላእን ንተበቃልን ምእንቲ ኽተጥፍእ እዩ።
ንስም እግዚኣብሄር የመስግኑ፤ ስሙ ንበይኑ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩሞ፥ ምስጋናኡውን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን እዩ።
ተቘጥኡ፥ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ መደቀሲኹም እንተለኹም ድማ ብልብኹም መርምሩ፤ ህድእውን በሉ።
“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”
ነእጋረይ መፃወድያ ዘርግሑ፤ ንነፍሰይውን ኣጕበጥዋ፤ ኣብ ቅድሚተይ ጕድጓድ ኰዓቱ፤ ግና ባዕልቶም ኣብኡ ወደቑ።
ኣብ ኵሎም ደቂ እስራኤል ግና፥ ኣብ ሰብ ኮነ ኣብ እንስሳ፥ ከልቢ እኳ መልሓሱ ኣየዋሳውሰሎምን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልልይ ከም ዝገበርኩ ኸዓ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ” በለ።
ኦ እግዚኣብሄር! ህዝብኻ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ እቲ ዝተቤዘኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ ድንጋፀን ፍርሓትን ሓዞም፤ ብሓይሊ ቕልፅምካ ኸም እምኒ ስቕ በሉ።
እቶም ንእግዚኣብሄር ተኣማሚኖም ዝፅበዩ ግና፥ ሓይሎም ይሕድሱ፤ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፤ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፤ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
ሓደ ንሓደ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ይብሉ ነበሩ።
ንሱ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓያል፥ ብድንገት ጥፍኣት የውርደሉ፤ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ፥ ጥፍኣት የምፅእ እዩሞ ድለይዎ።
እግዚኣብሄር ግና፥ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ኣሎ፤ ኵላ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።
በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዝ ነገራት እዙይ ካብ ብልህታትን መስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንህፃናት ስለ ዝገለፅካዮ አመስግነካ ኣለኹ።
“እዞም ቈልዑ ዝብልዎዶ ትሰምዕ ኣለኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እወ፥ እቲ ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ህፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ’ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም፤
በታ ጊዜ እቲኣ፥ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጕሱ ኸምዙይ በለ፤ “ኦ ኣቦይ! ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ ነዙይ ካብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእኻዮ፥ ንህፃናት ድማ ስለ ዝገለፅካዮ፥ አመስግነካ ኣለኹ። እወ፥ ኦ ኣቦ! እዙይ ከምዙይ ክኸውን፥ ፍቓድካ ኾይኑ እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር፥ ንጥበበኛታት ምእንቲ ኸሕፍር፥ ናይ ዓለም ዕሽነት ዝኾነ ነገር መረፀ፤ ንሓያላት ምእንቲ ኽሕፍር ከዓ፥ እግዚኣብሄር ናይ ዓለም ድኹም ዝኾነ ነገር መረፀ።
ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፤ እቶም ሓጥኣን ግና ስቕ ኢሎም ኣብ ፀልማት ይቕመጡ፤ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩሞ።