Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መዝሙረ ዳዊት 5:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ኦ ጐይታ፥ ብጊሓት ድምፀይ ክትሰምዕ ኢኻ፤ ኣንጊሀ ኣብ ቅድሜኻ ኽቐውም እየ፤ ክፅበውን እየ።

Ver Capítulo Copiar




መዝሙረ ዳዊት 5:3
15 Referencias Cruzadas  

ንሳቶም ብኽያት ድኻ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝበፅሕ ስለ ዝገበሩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ገዓር ውፁዓት ሰምዐ።


ኣንጊሐ ኣእዌኹ፤ ንቓልካውን ተስፋ ገይረ ኣለኹ።


ኦ ጐይታ፥ ድምፀይ ስማዕ፤ እዝንኻውን ቃል ልመናይ ዘዳምፅ ይኹን።


ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ለይቲ፥ ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ተኣመነት።


ኦ ኣምላኸይን፥ ንጉሰይን፥ ልዕል ልዕል አብለካ ኣለኹ፤ ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክባርኽ እየ።


ኦ ኣምላኸይ፥ ብመዓልቲ ናባኻ እጠርዕ፥ ግና ኣይመለስካለይን፤ ብለይቲ እኳ ዕረፍቲ የብለይን።


ብኣኻ ንፀላእትና ኽንወግኦም ኢና፤ ብስምካውን ኣብ ልዕሌና ንዝቖሙ ነዋርዶም።


ምሸትን ጊሓትን ቀትርን እቝዝም፤ እህህውን እብል ኣለኹ፤ ንሱውን ድምፀይ ይሰምዐኒ።


ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ሰናይ እዩ እሞ ስምዐኒ፤ ከም ብዝሒ ርህራሄኻ ናባይ ተመልከት።


እግዚኣብሄር ግና ቅድሚ ዓለም ንጉስ እዩ፤ ኣብ ማእኸል ምድሪ እውን መድሓኒት ገበረ።


ኵሎም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ብፁኣን እዮም፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን የመስግኑኻ።


ጐይታይ ኣነ ግና፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ፀሎተይ ኣንጊሃ ናባኻ ትብፃሕ።


ፍርድኻ ኣብ ምድሪ እንትትገብር፥ እቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ፥ ፅድቂ ይመሃሩ እዮም እሞ፥ ነፍሰይ ብለይቲ ትናፍቐካ፤ ኣብ ውሽጠይ ብዘላ መንፈሰይ፥ ኣንጊሀ እደልየካ ኣለኹ።


ልመናይ ሰሚዕኻ ኢኻ፤ ረዳኢ ደልየ እንተእዊ፥ ካብ ምስማዕ እዝንኻ ኣይትከልከል።


ኢየሱስ ጎሕ እንተይቀደደ ገና ፀልማት እንተሎ ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ፀለየ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos