Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መዝሙረ ዳዊት 4:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ተቘጥኡ፥ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ መደቀሲኹም እንተለኹም ድማ ብልብኹም መርምሩ፤ ህድእውን በሉ።

Ver Capítulo Copiar




መዝሙረ ዳዊት 4:4
17 Referencias Cruzadas  

“ንሰብ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ጥበብ እዩ፤ ካብ ሓጢኣት ምርሓቕ ከዓ ምስትውዓል እዩ።”


ገዛእቲ ብኸንቱ ኣሳጐጕኒ፤ ካብ ቓልካ ዝተልዓለ ግና ልበይ ደንገፀኒ።


ኦ ኣምላኽ፥ ሰሚዕኻኒ ኢኻሞ ናባኻ ኣእዌኹ፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፥ ቃለይውን ስማዕ።


ንእግዚኣብሄር ብፍርሓት ተገዝእዎ፤ ብረዓድ ድማ ደስ ይበልኩም።


ብዙሓት ሰባት “ንነፍሰይ ኣምላኽኪ ኣየድሕነክን” በልዋ።


ድምፀይ ዓው ኣቢለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ካብ ቅዱስ እምባኡ ኸዓ ይሰምዐኒ።


ምድሪ ብምልእታ ንእግዚኣብሄር ትፍርሓዮ፤ ኵሎም ኣብ ዓለም ዝነብሩውን ካብኡ ዝተልዓለ ይደንግፁ።


“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”


ኣብ ምድቃሰይ እዝክረካ ኣለኹ፤ ኣንጊሀውን እናገረልካ ኣለኹ።


ብለይቲ ምስ ልበይ ተፃወትኩ፤ ንነፍሰይውን ኣንቃሕኽዋ።


መንገዲ ቕኑዓት ካብ ክፉእ ምርሓቕ እዩ፤ እቲ ንመንገዱ ዝጥንቀቕ ድማ ንነፍሱ ይሕልዋ።


ብምሕረትን ብሓቅን፥ ስርየት በደል ይርከብ፤ ሰብውን ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ካብ ክፍኣት ይርሕቕ።


በተሓሳስባኻ ፈላጥ እየ ኣይትበል፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ካብ ክፉእ ከዓ ረሓቕ።


ንኣይ ክትፈርሑኒዶ ኣይግብአኩምን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድመይ ዘይትድንግፁ፥ ብሑፃ ገይረ ብናይ ዘለኣለም ትእዛዝ ንኸይሓልፍ ንባሕሪ ደረት ገበርኩሉ፤ ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዐ ኣይሓልፎን፤ እንተ ሃመመውን ከቶ ኣይሳገሮን።


እግዚኣብሄር ግና፥ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ኣሎ፤ ኵላ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።


ብእምነት እንተሊኹም፥ ርእስኹም ፈትኑ፤ ርእስኹም መርምሩ፤ ወይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ፥ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም? እዙይ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ዘይብቑዓት ኢኹም።


ተቘጥዑ፤ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ ቍጥዓኹም፥ ፀሓይ ኣይትዕረብኩም፤


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos