3 እግዚኣብሄር ብፃድቑ ኸም ዝተገለፀ ፍለጡ፤ እግዚኣብሄር ናብኡ እንትጠርዕ ይሰምዐኒ እዩ።
ኣቱም ቅዱሳኑ ዅልኹም፥ ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ፤ እግዚኣብሄር ንእሙናት ይደልዮም እዩሞ፤ ንዕቡያት ግና ፈፂሙ ይብቀሎም።
ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ፃድቃን፥ እዝኑ ኸዓ ናብ ልመናኦም እዩሞ።
ኣፈይ ጥበብ ይዛረብ፤ ሓሳባት ልበይ ከዓ ምስትውዓል ይህብ።
ነቶም ንመስዋእቲ ኺዳን ምሳይ ዝቖሙ ቕዱሳነይ ኣክቡለይ።
ምስ ፀዋዕኩኻ ፀላእተይ ናብ ድሕሪኦም ክምለሱ እዮም፤ በዙይውን ንስኻ ኣምላኸይ ከም ዝኾንካ ፈለጥኩ።
እግዚኣብሄር ንድምፂ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፤ ኣቱም ገበርቲ ዓመፅ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ።
ንዓመፅ ተስፋ ኣይትግበሩ፤ ብዘመተውን ኣይትተኣማመኑ፤ ሃብቲ እንተ በዝሐ ልብኹም ኣይተዓበ።
ንስኻ ምሳና እንተ ዘይኬድካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ፀጋ ኸም ዝረኸብና፥ ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ፍሉያት ከም ዝኾንና ደኣ፥ ብምንታይ ክፍለጥ እዩ?” በሎ።
ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን፥ እቲ ዅሉ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።
ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል፥ ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ።
ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
ጐይታ ኸዓ ነቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሕኖም፥ ንገበርቲ ዓመፃ ድማ፥ እናቐፅዐ ኸመይ ገይሩ ኽሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዘፅንሖም ይፈልጥ እዩ።