1 ኦ ኣምላኽ ፅድቀይ፥ ክፅውዕ እንተለኹ መለሰለይ፤ ብጭንቀተይውን ኣስፋሕኻለይ፤ መሓረኒ፤ ፀሎተይውን ሰምዐኒ።
ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ መከራ ኸናግፈካ፥ ናብቲ ጭንቂ ዘይብሉ ገፊሕ ቦታ ኸውፅአካ፥ ስቡሕ ማእዲውን ከቕርበልካ እዩ።
እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩሞ፥ ፅድቂ ኸዓ ይፈቱ፤ ቅንዕና ግና ንገፁ ትሪኦ።
ኦ ጐይታ፥ ኣነ ባርያኻ እየ፤ ኣነ ባርያኻ ወዲ ኣንስተይቲ ባርያኻ እየ፤ መዋቕሐይ ሰበርካ።
እግዚኣብሄር ንህፃናት ይሕልዎም፤ ተሸገርኩ፤ ንሱውን ኣድሓነኒ።
ከምቲ ነቶም ስምካ ዝፈትዉ እትገብሮ ፍርዲ፥ ናባይ ተመልከት፤ መሓረኒውን።
ኵሉ ህያው ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ኣይኮነንሞ፥ ምስ ባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
ኦ ኣምላኽ፥ ሰሚዕኻኒ ኢኻሞ ናባኻ ኣእዌኹ፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፥ ቃለይውን ስማዕ።
ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ? ንኣይ ካብ ምድሓን፥ ካብ ቃል ገዓረይውን ርሑቕ ኢኻ።
ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር በረኸት ይረክብ፤ ካብ መድሓኒኡ ኣምላኽውን ምሕረት ይቕበል።
ኦ ጐይታ፥ ኣነ በይነይን ሽግረኛን እየሞ፥ ገፅካ ናባይ ግበር፤ መሓረኒውን።
ኣብ ኢድ ፀላኢየይ ኣይዓፀኻንን፤ ነእጋረይ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ኣቖምካየን።
ንኣይ ግና ስለ ቕንዕናይ ተቐበልካኒ፤ ኣብ ቅድሜኻ ኸዓ ንዘለኣለም ኣፅናዕኻኒ።
ዋልያ ናብ ዓይኒ ማያት ከም ዝናፍቕ፥ ኦ ጐይታ ኸምኡ ነፍሰይ ናባኻ ትናፍቕ ኣላ።
ልበይ ሰናይ ነገር ኣፈልፈለ፤ ኣነ ስራሐይ ንንጉስ እነግር፤ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ፀሓፊ እዩ።
ኦ ጐይታ ሰብ ረጊፁኒ እዩሞ መሓረኒ፤ ኵልሻዕውን ብሰልፊ ኣጨኒቑኒ እዩ።
መሓረኒ፤ ኦ ጐይታ፥ መሓረኒ፤ ነፍሰይ ኣባኻ ተኣሚና ኣላሞ፥ መሃረኒ፤ እቲ መዓት ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ተኣሚነ ኣለኹ።
ኦ ጐይታ፥ ብቝጥዓኻ ኣይትቕሰፈኒ፤ ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ።
እግዚኣብሄር ይምሓረና ይባርኸናውን፤ ገፁውን ኣብ ልዕሌና የብርህ።
እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ተፈለጠ፤ ኣብ እስራኤል ከዓ ስሙ ዓብዪ እዩ።
“ብዛዕባይ ከዓ ‘ፅድቅን ሓይልን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ጥራሕ እዩ ዘሎ’ ኽብሉ እዮም። ኣብ ልዕሊኡ ብቝጥዓ ዝተልዓሉ ዅሎም፥ ናብኡ ኽመፁን ክሓፍሩን እዮም።
ብዘመኑ ይሁዳ ኽድሕን፥ እስራኤል ድማ ብሰላም ክነብር እዩ፤ ዝፅወዐሉ ስምውን ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል እዩ።
ጐይታ እግዚኣብሄር ሓይለይ እዩ፤ ንሱ ነእጋረይ ከም ኣእጋር ዋልያ ይገብረን፤ ኣብቲ በሪኽ ቦታውን ከም ዝኸይድ ይገብረኒ።
ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።
ንሱ ንሞት ካብ ዘብፅሕ ሓደጋ ኣድሒኑና እዩ፤ ከድሕነና ድማ እዩ፤ ንዳሕራይውን ከም ዘድሕነና፥ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና።
ኣሕዋትና፥ ኣብ እስያ ዝረኸብናዮ መከራ ኽትፈልጡ እደሊ። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝኸበደና፥ ንህይወትና ቐቢፅናያ ነበርና።
መሊሱ ድማ “እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር፥ ካብ ኢድ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይውን ከድሕነኒ እዩ” በለ። ሳኦል ከዓ ንዳዊት “እምበኣር ኪድ፤ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን” በሎ።