4 ድምፀይ ዓው ኣቢለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ካብ ቅዱስ እምባኡ ኸዓ ይሰምዐኒ።
ብድሕሪ እዝ ነገር እዙይ፥ ቃል እግዚኣብሄር ብራእይ ናብ ኣብራም መፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ኣብራም ኣይትፍራሕ፤ ዋልታኻ ኣነ እየ፤ ዓስብኻ የመና ብዙሕ ክኸውን እዩ።”
ንስኻ ረዳእየይን መፀግዕየይን ኢኻ፤ ብቓልካውን ተኣማመንኩ።
በታ ዝፀዋዕኩኻ መዓልቲ ቐልጢፍካ ስምዐኒ፤ ንነፍሰይውን ብሓይልኻ ብብዙሕ ኣፅናዕኻያ።
ምስጋና ንዝግብኦ እግዚኣብሄር ክፅውዕ እየ፤ ካብ ፀላእተይውን ክድሕን እየ።
“ኣነ ግና ኣብ ፅዮን ኣብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ንጉሰይ ሸምኩ።”
እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዝኸበቡኒ ፀላእተይ፥ ንርእሰይ ልዕል ልዕል ኣበለ፤ ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ዕልልታ ሰዋእኹ፤ ንእግዚኣብሄር ክቕነየሉ፥ ክዝምረሉውን እየ።
እግዚኣብሄር ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤ ልበይ ብእኡ ኣመነ፤ ኣነውን ተረዳእኹ፤ ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ።
ንእግዚኣብሄር ደለኹዎ፤ ንሱውን መለሰለይ፤ ካብ ኵሉ መከራይውን ኣድሓነኒ።
እዝ ምስኪን እዙይ ኣእወየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ሰምዖ፤ ካብ ኵሉ መከራኡውን ኣድሓኖ።
ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፤ ንሳተን ይምርሓኒ፤ ናብታ ቅድስቲ እምባኻን፥ ናብታ መሕደሪኻን የብፅሓኒ።
ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።
ኵልኻትኩም ማሕበር ህዝቢ፥ ብእኡ ተኣመኑ፤ ልብኹምውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፤ እግዚኣብሄር ረዳኢና እዩ።
ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብኣኻ ዝተኣመነ ብፁእ እዩ።
በቲ ዘመን እቱይ ንደቅኻ ብራእይ ተናገርካዮም፤ ከምዙይውን በልካ፦ “ረድኤት ኣብ ልዕሊ ሓያል ኣንበርኩ፤ ነቲ ዝተመረፀ ኻብ ህዝበይ ልዕል ልዕል ኣበልክዎ።
ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅዱስ እምባኡ ስገዱ።
ንሱ ንቕኑዓት ድሕነት ይእክበሎም፤ ብዘይ ነውሪ ንዝኸዱ ኸዓ ዋልታኦም ይኸውን።
ከምዙይ ክኸውን ድማ እዩ፦ እንተይፀውዑኒ ኽምልሰሎም፥ ገና ዘረባኦም እንትጅምሩ ኽሰምዖም እየ።
ልመናይ ሰሚዕኻ ኢኻ፤ ረዳኢ ደልየ እንተእዊ፥ ካብ ምስማዕ እዝንኻ ኣይትከልከል።
“ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆ ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ።
ኣብ ማእኸልኩም መከራ ዝቕበል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ይፀሊ፤ ዝተሓጐሰ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ መዝሙር ምስጋና ይዘምር።