3 ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መፀግዕየይ ኢኻ፤ ክብረይን ንርእሰይውን ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ።
ብድሕሪ እዝ ነገር እዙይ፥ ቃል እግዚኣብሄር ብራእይ ናብ ኣብራም መፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ኣብራም ኣይትፍራሕ፤ ዋልታኻ ኣነ እየ፤ ዓስብኻ የመና ብዙሕ ክኸውን እዩ።”
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ፈርዖን ክፈትሐካ እዩ፤ ናብ ናይ ቀደም ሽመትካውን ክመልሰካ እዩ። ከምቲ ናይ ቀደም ኣሰላፊኡ እንተለኻ ትገብሮ ዝነበርካ ኸዓ፥ ንፈርዖን እታ ፅዋዑ ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ።
ሕዝቅያስ ድማ፥ ‘እግዚኣብሄር ብርግፅ ከድሕነና እዩ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም።
ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር ከይትሞቱስ፥ መፂአ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፥ ናብ ሃገር እኽልን እንጀራን፥ ናብ ሃገር ኣታኽልቲ ወይንን ኰልዒ ወይንን፥ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም ‘እግዚኣብሄር ከድሕነና እዩ’ እናበለ ሕዝቅያስ ክጥብረኩም እንተሎ፥ ኣይትስምዕዎ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ዮርማሮዴቅ ንጉስ ባቢሎን፥ በታ ዝነገሰላ ዓመት ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅኦ። ብፍቕሪ ድማ ተናገሮ። እዙይ ድማ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ ኣብ ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኾነ።
ኣብ መንገዲ ኻብ ወሓዚ ማይ ክሰቲ እዩ፤ ስለዙይ ርእሱ ልዕል ልዕል ከብል እዩ።
ንስኻ ረዳእየይን መፀግዕየይን ኢኻ፤ ብቓልካውን ተኣማመንኩ።
እግዚኣብሄር ከውሐይ፥ ዕርደይን መድሓኒየይን እዩ፤ ኣምላኸይ፥ ብእኡውን ዝእመነሉ ረዳእየይ፥ መተኣማመኒየይን ቀርኒ ምድሓነይን መፀግዕየይን እዩ።
እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዝኸበቡኒ ፀላእተይ፥ ንርእሰይ ልዕል ልዕል ኣበለ፤ ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ዕልልታ ሰዋእኹ፤ ንእግዚኣብሄር ክቕነየሉ፥ ክዝምረሉውን እየ።
እግዚኣብሄር ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤ ልበይ ብእኡ ኣመነ፤ ኣነውን ተረዳእኹ፤ ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ።
እግዚኣብሄር ብፃድቑ ኸም ዝተገለፀ ፍለጡ፤ እግዚኣብሄር ናብኡ እንትጠርዕ ይሰምዐኒ እዩ።
ምድሓነይን ክብረይን ብእግዚኣብሄር እዩ፤ ኣምላኽ ረድኤተይን፥ ተስፋይንውን እግዚኣብሄር እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረትን ሓቅን ይፈቱ፤ እግዚኣብሄር ሞገስን ክብርን ይህብ፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን።
ኵሎም ዘርኢ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ክፀድቁ፥ ብእኡውን ክምክሑ እዮም።”
“ኣነ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ክኾነልኪ፥ ኣምላኽኪ ድማ ኽብርኺ ክኸውን እዩሞ፥ ድሕሪዙይ ፀሓይ ብመዓልቲ፥ ብርሃንኪ ኣይትኸውንን፤ ወርሒ ኸዓ ብምድማቓ ኣይተብርሀልክን እያ።
ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ዝገልፅ፥ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ እዩ።”
ኦ እስራኤል! ብፁእ ኢኻ፤ ብእግዚኣብሄር ዝደሓነ ህዝቢ ኸማኻ መን ኣሎ? ንሱ ዋልታ ሓገዝካ፥ ሰይፊ መመክሒኻ እዩ። ፀላእትኻ ኽግዝኡልካ እዮም፤ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግፅ ኢኻ።
ብኽብሪ እግዚኣብሄርውን፥ ተብርህ ነበረት። ምድማቕ ብርሃናውን፥ ከምቲ የመና ዝኸበረ እምኒ፥ ከም እምኒ ኢያሰጲድ፥ ከም ብርለ ዝፀረየ ነበረ።
እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ።