1 ኦ ጐይታ፥ ዘጭንቑለይ ክንደይ ይበዝሑ! ክንደይከ እዮም ኣባይ ዝለዓሉ!
ኣቤሴሎምን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ናብ ኢየሩሳሌም ኣተዉ፤ ኣኪጦፌልውን ምስኡ ነበረ።
ነቶም ዝኣምኑኻ፥ ካብ ዝቃወሙ ብየማንካ እተድሕኖም፥ እቲ ዘደንቕ ሕያዋይነትካ ግለፅ።
ሓው ንሓዉ፥ ኣቦ ንውሉዱ፥ ንሞት ኣሕሊፉ ኽህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ክለዓሉ፥ ክቐትልዎምውን እዮም።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን፥ ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን!” ኢሎም መለሱሉ።
እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኵሎም ተኣኪቦም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ኣብ ማይ ማሮን መፂኦም ብሓደ ሰፈሩ።