2 ኦ ጐይታ፥ ፍተነንን መርምረንን፤ ንዀላሊተይን ንልበይን ፍተን።
በደለይን ሓጢኣተይንስ ክንደይ ዝኣክል እዩ? እስኪ በደለይን ሓጢኣተይን ኣፍልጠኒ።”
ብለይቲ ተመልከትካኒ፤ ንልበይውን ፈተንካዮ፤ ፈተንካኒ፤ ኣባይ ዓመፅ ኣይረኸብካለይን።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፈተንካና፤ ንብሩር ከም ዝፍትንዎውን ፈተንካና።
ክፍኣት ሓጥኣን ይጥፋእ፤ ንፃድቃን ግና ኣቕንዓዮም፤ እግዚኣብሄር ልብን ኵላሊትን ይምርምር።
ኣታ ንፃድቕ እትምርምር፥ ልብን ኵላሊትን እትርኢ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነገረይ ናባኻ ኣማዕቚበ ኣለኹ እሞ፥ ነቲ እትፈድዮም ሕነ ኣርእየኒ።
ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”