Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መዝሙረ ዳዊት 2:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 እቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር ይስሕቖም፤ ጐይታ ድማ የባጭወሎም።

Ver Capítulo Copiar




መዝሙረ ዳዊት 2:4
13 Referencias Cruzadas  

እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ቓል ከዓ እዙይ እዩ፦ እታ ድንግል ጓል ፅዮን ነዓቐትካን ኣባጨወትልካን፥ እታ ጓል ኢየሩሳሌም ድማ ኣባኻ ርእሳ ነቕነቐትልካ።


እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፤ እግዚኣብሄር ዙፋኑ ኣብ ሰማይ እዩ፤ ኣዒንቱ ናብ ድኻ ይጥምታ፤ ቀራንብቱውን ንደቂ ሰብ ይምርምራ።


ኣምላኽናስ ኣብ ላዕላይ ኣብ ሰማይ እዩ፤ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ዝደለዮ ይገብር።


ኣታ ኣብ ሰማይ እትነብር ጐይታ፥ ኣዒንተይ ናባኻ አልዕል ኣለኹ።


እግዚኣብሄር ግና፥ ይስሕቖ፤ መዓልቱ ኸም ዝበፅሕ ይፈልጥ እዩሞ።


እግዚኣብሄር ነዕፅምቲ እቶም ግብዛት በቲኑ እዩሞ፥ ኣብኡ ዘፍርሕ እንተይሃለወ የመና ፈርሑ፤ እግዚኣብሄር ንዒቑዎም እዩ እሞ፥ ኣሕፈርካዮም።


ንስኻ ግና ኦ ጐይታ ትስሕቆም፤ ንዅሎም ኣህዛብውን ትንዕቖም።


እግዚኣብሄር መፀግዕየይ እዩሞ፥ ንሓይለይ ናባኻ ኣዕቝቦ ኣለኹ።


ብወገን ምብራቕ ብዘሎ ሰማይ ኣቢሉ፥ ናብ ሰማየ ሰማያት ንዝዓረገ እግዚኣብሄር ዘምሩ። እንሆ፥ ቃል ሓይሊ ዝኾነ ቓሉ ይህብ ኣሎ።


ኣነውን፥ እቲ እትፈርሕዎ ኽመፅእ እንተሎ፥ እቲ እትፈርሕዎ ኸም ኣውሎ ንፋስ ክመፅእ፥ መከራ ኸም መሸምቦባ ኾይኑ ኽበፅሐኩም፥ ፀበባን ጭንቀትን ክወርደኩም እንተሎ፥ ብመከራኹም ክስሕቕን ከባጭወልኩምን እየ።


ንሱ እዩ ልዕሊ ኽቢ ምድሪ ዝቕመጥ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኸም ኣንበጣ እዮም፤ ንሰማያት ከም መጋረጃ ይዝርግሖ፤ ንመንበሪ ድማ ኸም ድንኳን ይዝርግሖ።


“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ፥ ከመይ ዝበለ እዩ?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos