3 “ንመእሰሪኦም ንብተኮ፤ ንገመዳቶምውን ካባና ንደርብዮ” በሉ።
ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፤ መእሰሪኺ በተኽኩ፤ ንስኺ ግና ኣየገልግልን በልኪ፤ ኣብ ኵሉ በሪኽ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋምን፥ ክተመንዝሪ ደቀስኪ።
ስለዙይ ናብቶም ዓበይቲ ደኣ ክኸይድ፥ ንሳቶም መንገዲ እግዚኣብሄርን፥ ሕጊ ኣምላኾምን ዝፈልጡ እዮም እሞ፥ ክነግሮም” በልኩ። ግና እዚኣቶምውን ሓቢሮም ኣርዑት ሰበሩ፥ መእሰሪውን በተኹ።
ደቂ ዓዱ ግና ፀልእዎ እሞ ‘እዙይ ኣብ ልዕሌና ኽነግስ ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም፥ ደድሕሪኡ ልኡኻት ሰደዱ።
ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ዘይደለዩ ፀላእተይ ግና፥ ናብዙይ ኣምፂእኹም፥ ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም’ ” በለ።