1 ኣህዛብ ስለ ምንታይ እዮም ዘጕረምርሙ? ህዝብታትከ ንምንታይ ከንቱ ነገር ዝዛረቡ?
ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ዘሎ ሓመድ ክጥሕኖም እየ፤ ከም ጭቃ መንገዲውን ክረግፆም እየ።
ኣብ ልዕሌኻ ኽፍኣት ዘርጊሖም እዮምሞ፤ ዘይኽእሉዎ ምኽሪ ሓሰቡ።
ኣህዛብ ተናወፁ፤ መንግስታትውን ተመለሱ፤ ንሱ ቃሉ ሃበ፤ ምድሪ እውን ኣንቀጥቀጠት።
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብውን መፀግዒና እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከመስግነካ እየ፤ ኣብ ማእኸል ወገናትውን ክዝምረልካ እየ።
ቃል ባሮትካ ኣይትረስዕ፤ ኵርዓት ፀላእትኻ ዅልሻዕ ናባኻ ይድይብ ኣሎ።
ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፤ ኣብ ልዕሊ ቕዱሳንካውን ተማኸሩ።
ኣቱም ህዝብታት፥ ፍለጡሞ ደንግፁ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ሃገር ዘለኹምውን ኣድምፁ፤ ንውግእ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ፤ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ።
እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎ፥ ንስንሳቶም ‘እንሆ እቲ ወራሲኡ እዙይ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎሞ፥ ርስቱ ኽንወርስ’ ተባሃሃሉ።
ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፥ ከላግፁሉ፥ ክፀርፍዎ፥ እንትፍውን ክብሉሉ፥
ንሳቶምውን ተሓጐሱ፤ ገንዘብ ክህብዎ ኸዓ ተወዓዓልዎ።
እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተሲኡ ተበኣሶም፤ እቶም ሰብ ስልጣን ድማ፥ ክዳውንቶም ገፊፎም ብበትሪ ኽወቕዕዎም ኣዘዙ።
ንሳቶም ነዙይ ምስ ሰምዑ ተቘጥዑ፤ ንሃዋርያትውን ክቐትልዎም ደለዩ።
እዚኣቶም፥ ምስቲ በጊዕ ክዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና፥ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፥ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ፥ ዝተፀውዑን፥ ዝተሓረዩን፥ እሙናትን ከዓ፥ ምስኡ ኽስዕሩ እዮም” በለኒ።