3 ምድሓን ብዘይኽእሉ በሕሉቕን፥ ብደቂ ሰባትን ኣይትተኣመኑ።
ንሱ ኸዓ “እግዚኣብሄር ዘይረድአክስ፥ ኣነ ደኣ ኻብ ምንታይ ክረድአኪ? ካብ ዓውዲ ድዩ ወይ ካብ መፅመቊ” በላ።
በታ ጊዜ እቲኣ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መፂኡ፦ “ክንዲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካስ፥ ኣብ ንጉስ ሶርያ ስለ ዝተኣማመንካ፥ ሰራዊት ንጉስ እስራኤል ካብ ኢድካ ኣምሊጡ ኣሎ።
ብጊዜ መከራና ረድኤት ሃበና፤ ናይ ሰብውን ምድሓን ከንቱ እዩ።
ብመከራና ረድኤት ሃበና፤ ምድሓን ሰብውን ከንቱ እዩ።
ግና ደቂ ሰብ ከንቱ እዮም፤ ደቂ ሰብውን ሓሰውቲ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ይዕምፁ፤ ንሳቶም ፈፂሞም ከንቱ እዮም።
በቲ እስትንፋሱ ኣብ ኣፍንጫኡ ዝኾነ ሰብ ኣይትተኣማመኑ፤ ንምንታይከ እዩ እትቘፅርዎ?
እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር፥ ክመልቝን ክስበርን ክወድቕን፥ እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ፆር ከዓ ወዲቑ ኽሰባበር እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ግብፃውያን ሰባት እዮም፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን። ኣፍራሶም ከዓ ስጋ እምበር፥ መንፈስ ኣይኮኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ እንትዝርግሕ እቲ ረዳኢ ይሰናኸል፤ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ይጠፍኡ።
ኢሳይያስ ድማ “ንጐይታኹም፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘በተን ሓሻኽር ንጉስ ኣሶር ንኣይ ዝፀረፉለን፥ ንስኻውን ዝሰማዕኻየን ቃላት ኣይትፍራሕ።