2 ብህይወተይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ፤ ብዘለኹዎ ዅሉ ዘመንውን ንኣምላኸይ ክዝምር እየ።
ብህይወተይ እንተለኹ ንእግዚኣብሄር ክዝምር እየ፤ ብዝነብረሉ ዅሉ ዘመንውን ንኣምላኸይ ክዝምር እየ።
ከምኡ ብህይወተይ ክሳዕ ዘለኹ ኸመስግነካ እየ፤ ብስምካውን ኣእዳወይ ከልዕል እየ።
ኣቱም ነገስታት ስምዑ፤ ኣቱም ሹመኛታትውን ፅን በሉ፤ ኣነ ንእግዚኣብሄር ክዝምረሉ እየ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፥ ክቕነየሉ እየ።