1 ሃሌ ሉያ። ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ!
ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ኣዕፅምተይውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።
ኣቱም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ እትነብሩ፥ ኵልኻትኩም ፍጡራቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፤ ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ።
ሓጥኣን ካብ ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም፤ ዓመፀኛታትውን ደጊም ኣይህልዉን። ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ሃሌ ሉያ።
ትእዛዛቱ ምእንቲ ኽሕልዉን፥ ሕጉውን ምእንቲ ኽፍፅሙን እዩ። ሃሌ ሉያ።