9 ከም ንስሪ ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፥ ክሳዕ መወዳእታ ባሕሪ እውን እንተ በረርኩ፥
ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፤ በኽናፍ ንፋስ ከዓ በረረ።
ኣወፃፅኣኡ ኻብ ወሰን ሰማይ እዩ፤ ምዝዋሩ ኸዓ ኽሳዕ ወሰን ዓለም እዩ፤ ካብ ረስኑውን ዝኽወል የለን።
ስመይ ንእትፈርሑ ነኣኻትኩም ግና፥ ፀሓይ ፅድቂ ኣብ ኣኽናፋ ፈውሲ ሒዛ ኽትወፅእ እያ። ንስኻትኩምውን ክትወፁ ኢኹም፤ ከም ዝሰብሐ ብተይውን ክትዕንድሩ ኢኹም።