8 ንሰማይ እንተ ደየብኩ፥ ንስኻ ኣብኡ ኣለኻ፤ ኣብ ሲኦል እንተ ወረድኩውን፥ ኣብኡ ኣለኻ።
ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ እዩ፤ ንጥፍኣትውን መጋረዲ የብሉን።
ሲኦልን መዓሙቝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፈለጡ እዮም፤ ብሕልፊ እኳ ልቢ ሰባት ዝተፈለጠ እዩ።
ኣነ ኸይሪኦ ኣብ ስውር ስፍራ ኽሕባእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመላእኹስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።
ከም ንስሪ ተወንጪፍካ ንላዕሊ እንተ ደየብካ፥ ቤትካውን ኣብ ማእኸል ከዋኽብቲ እንተ ኾነ፥ ካብኡ ኸውርደካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ከምዙይውን በለ፦ “ብጊዜ መከራይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣእዌኹ፤ ንሱውን ሰምዐኒ። ኣብ ከርሲ ሲኦል ኮይነ ኣእዌኹ፤ ንስኻውን ድምፀይ ሰማዕኻ።