6 ፍልጠትካ ኻባይ ብዝበለፀ ተደነቐት፤ በርትዐት፥ ናብኣ ኽበፅሕውን ኣይኽእልን።
እንሆ እዙይ ናይ መንገዱ ወሰን ጥራሕ እዩ፤ እቲ ዝሰማዕናዮ ነገር ክንደይ ውሑድ እዩ፤ ነቲ ሓይሊ ነጐድጓዱኸ መን ከስተውዕሎ ይኽእል?”
‘ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዘፀልምቶ መን እዩ?’ ብርግፅ ኣነ ዘየስተውዓልክዎን፥ ዘይፈለጥክዎን ብዛዕባ እቲ ንኣይ እምብዛ ዘገርም ነገርን ተናጊረ ኣለኹ።
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ፈፂምካ እትርስዐኒ? ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ኻባይ ገፅካ እትኽውል?
ኦ ኣምላኸይ፥ ዝገበርካዮ ተኣምራት ብዙሕ እዩ፤ ንሓሳብካውን ዝመስሎ የለን፤ እንተውረኹን እንተ ተናገርኩን ምቝፃሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።
“የመና ዝገርሙኒ ሰለስተ ነገራት ኣለዉ፤ ነቲ ራብዓይ ግና ፈፂመ ኣየስተውዕሎን፤
ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።