5 ኦ ጐይታ እንሆ ናይ ቀዳማይን ናይ ዳሕረዋይን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ንስኻ ፈጠርካኒ፤ ኢድካውን ኣብ ልዕለይ ኣንበርካ።
ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኽልቴና ዘንብር ዳኛ፥ ኣበይሞ ኣብ መንጎና ኸም ተረኽበ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕዎ ይሰፍር፤ ንሱውን የናግፎም።
ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ረአይዎ፤ ኢዱውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ኣይዘርግሐን፤ ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚኡ በልዑን ሰተዩን።
ዘለኣለማዊ ኣምላኽ መንበሪኻ እዩ፤ ዘለኣለማዊ ቐላፅሙ ድማ ኣብ ትሕቴኻ እየን፤ ንፀላኢኻ ኻብ ቅድሜኻ ኣውፂኡ፥ ኣጥፍኣዮ ይብለካ።
ምስ ረአኽዎ ድማ፥ ከም ዝሞተ ሰብ ኮይነ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ወደቕኩ። የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ድማ፦ “ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥