12 ፀልማት ኣባኻ ኣይፅልምትን እዩሞ፥ ለይቲ እውን ከም መዓልቲ ተብርህ እያሞ፥ ከም መጠን ፀልማታ ብርሃና ኸምኡ እዩ።
ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ እዩ፤ ንጥፍኣትውን መጋረዲ የብሉን።
እቶም ገበርቲ ሓጢኣት ዝሕብኡሉ፥ ፀልማት ወይ ድነ ሞት የለን።
ናብ መንጎ ግብፃውያንን ደቂ እስራኤልን ድማ ኣተወ። በቱይ ወገን ደመናን ፀልማትን ነበረ፤ በዙይ ወገን ግና ነቲ ለይቲ ኣብርሆ። ስለዙይ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን።
እቲ ህዝቢ ርሕቕ ኢሉ ቖመ፤ ሙሴ ግና ናብቲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ፀልማት ቀረበ።
ንዝዓመቘን ንዝተሰወረን ምስጢር ይገልፅ፤ ነቲ ኣብ ፀልማት ዘሎ ይፈልጦ፤ ብርሃንውን ምስኡ ይነብር።
ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ኩሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ።