10 ኣብኡውን ኢድካ ኽትመርሐኒ፥ የማንካውን ክትሕዘኒ እያ።
ንነፍሰይ መለሳ፤ ስለ ስሙውን ብመንገዲ ፅድቂ መርሐኒ።
ነፍሰይ ደድሕሬኻ ተኸተለት፤ ነኣይውን የማነይትኻ ተቐበለትኒ።
ግና ኣነ ዅልሻዕ ምሳኻ እየ፤ የማነይቲ ኢደይ ሓዝካኒ።
ንየማነይቲ ኢድካ ሒዘ፥ ‘ክድግፈካ እየ’ ዝብለካ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየሞ ኣይትፍራሕ።”
ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፥ ደልየ ኻብኡ ኸውፅኦም እየ፤ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እንተ ተሓብኡውን፥ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኽነኽሶም እዩ።