3 ፀላእተይ ስዒርናዮ ኸይብሉ፥ ኦ ኣምላኸይ፥ ተመልከተኒ ስምዐኒውን፤
“ሕዚ ግና ተረፍ ክሓድገልናን ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሽኻል ክህበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኸብርሀልናን፥ ኣብ ባርነት እንተለና ቑሩብ ምሕዳስ ህይወት ክህበናን፥ ንቑሩብ ጊዜ ሞገስ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ተውሂቡና ኣሎ።
ሕግኻ ኣይረሳዕኹን እሞ፥ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መብራህተይ ተብርህ፤ ኣምላኸይ እግዚኣብሄር፥ ንፀልማተይ የብርህ።
ፀላእተይ ከም ዝበዝሑ ረአ፤ ብግፍዒውን ፀልኡኒ።
ንመከራይ ርኢኻዮ ኢኻሞ፥ ንነፍሰይውን ካብ ጭንቂ ኣድሒንካያ ኢኻ እሞ፥ ብምሕረትካ ደስ ይብለኒ፥ እሕጐስውን ኣለኹ።
ኦ ጐይታ፥ ንቓለይ ኣድምፅ፤ ንጥርዓነይውን ኣስተብህል።
ኦ ጐይታ፥ ራህርሀለይ፤ ነቲ ፀላእተይ ዘምፅኡለይ ዘለዉ መከራውን ተመልከት፤ ካብ በርታት ሞት ልዕል ልዕል እተብለኒ፥
ምስ ረሰኑ፥ መስተ ኸቕርበሎም እየ፤ ክሕጐሱን ንሓዋሩ ድቃስ ክድቅሱን ክገብሮም እየ። ከቶውን ከይነቕሑ ኸስክሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ንመሳፍንታን ንጠቢባናን፥ ንኣሕሉቓን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣን፥ ከስክሮም እየ፤ ንዘለኣለምውን ደቂሶም ከም ዘይነቕሑ፥ ክገብር እየ፤ ይብል እቲ ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተብሃለ ንጉስ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዝወረደና ዘክር፤ ቈላሕ በል እሞ ንውርደትና ጠምቶ።
ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ዝገልፅ፥ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ እዩ።”
ስለዙይ ከዓ እዩ፥ “ኣታ ደቂስካ ዘለኻ ተበራበር፤ ካብ ምዉታንውን ተስእ፤ ክርስቶስ ከዓ ኸብርሀልካ እዩ” ዝተብሃለ።
እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ።
ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቶም ህዝቢ ኸምሕሎም እንተሎ ኣይሰምዐን ነበረ እሞ፥ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ፥ ናብቲ ወለላ መዓር ጠምዐ፤ ካብኡ ኸዓ በልዐ፤ ኣዒንቱ ድማ በርሃ።
ሽዑ ዮናታን “ኣቦይ ነዛ ምድሪ ጐዲኡዋ። ካብዝ መዓር እዙይ ስለ ዝጠዓምኩ ኣዒንተይ ከም ዝበርሃ ረአዩ።