1 ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ፈፂምካ እትርስዐኒ? ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ኻባይ ገፅካ እትኽውል?
“ንምንታይ ንገፅካ ኻባይ እትኽውሎ? ንምንታይከ ኸም ፀላኢኻ እትሪአኒ?
ኦ ኣምላኸይ፥ ተስእ፤ ኢድካውን ልዕል ልዕል ትበል፤ ንነዳያንውን ኣይትረስዓዮም።
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትሪአለይ? ንነፍሰይ ካብ ክፉእ ስራሖም፥ ንብሕትነተይውን ካብ ኣናብስ ኣናግፋ።
ንምንታይከ ገፅካ እትስውር? ንመከራናን ጭንቕናንከ ንምንታይ ትርስዕ?
ነፍሰይውን የመና ተሃዊኻ እያ፤ ኦ ጐይታ፥ ንስኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?
ኦ ኣምላኽ፥ ስለ ምንታይ ንሓዋሩ ደርበኻና? ኣብ ልዕሊ መጓሰ ኣባጊዕኻኸ ንምንታይ ቍጥዓ ተቘጣዕኻ?
ኦ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ኣብ ልዕሊ ፀሎት ባርያኻ እትቝጣዕ?
ንዘለኣለምዶ ኽትቝጠዐና ኢኻ? ቍጥዓኻኸ ንውሉድ ወለዶዶ ኽተንውሕ ኢኻ?
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ገፅካ እትምልስ? ቍጥዓኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ?
ብምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ኽንሕጐስ፥ ደስውን ምእንቲ ኽብለናስ፥ ብንግሆ ምሕረትካ ኣፅግበና።
ግና በደልኩም ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ ኣምላኽኩምን ፈልያ ኣላ፤ ከይሰምዐኩምውን ሓጢኣትኩም ንገፁ ኻባኻትኩም ሰወሮ።
ስለ ምንታይ ፈፂምካ እትርስዐና? ስለ ምንታይከ ንነዊሕ ዘመን እትሓድገና?
በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነደድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይውን ክሓብአሎም እየ፤ ክጠፍኡ ድማ እዮም፤ ብዙሕ ጕድኣትን መከራን ክረኽቦም እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየሎዶ ኣይኮነን እዝ ጕድኣት እዙይ ረኺቡና ዘሎ?’ ኽብሉ እዮም።