3 እንሆ፥ ውሉድ፥ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዮም፤ ፍረ ማህፀንውን፥ ናቱ ዋጋ እዩ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ብዝሑን ተባዝሑን፥ ንምድሪ ምልእዋን ምለኽዋን፥ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ንዝንቀሳቐስ ኵሉ እንስሳን ግዝኡ” ኢሉ ባረኾም።
ንሳቶም ድማ ንርብቃ፦ “ኣቲ ሓፍትና፥ እልፊ ኣእላፋት ፍረዪ፤ ዘርእኺ ድማ ደገ ፀላእቶም ይውረሱ” እናበሉ መረቕዋ።
ኤሳው ዓይኑ ኣልዓለሞ ኣንስትን ቈልዑን ምስ ረአየ፥ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ደኣ እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ። ያእቆብ ድማ፥ “እዚኣቶም ንኣይ ንኣገልጋሊኻ እግዚኣብሄር ብልግስናኡ ዝሃበኒ ውሉድ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።
ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣሞ፥ ጠነሰት፤ ንቃየልውን ወለደት። “ብረድኤት እግዚኣብሄር ወዲ ረኺበ” ድማ በለት።
‘እንሆ፥ ኣነ ኸፍርየካን ከብዝሐካን፥ ብዙሕ ህዝቢ ኸዓ ኽገብረካን እየ፤ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ርስቲ ዘለኣለም ገይረ ኽህቦ እየ።’
ሻድሻይ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት ዝተወለደ ይትረሃም፤ እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ እዮም።
እግዚኣብሄር ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ። ካብ ኵሎም ደቀይ ድማ ንወደይ ሰሎሞን ኣብ ዙፋን እቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝኾነ እስራኤል ክቕመጥ ሓረዮ።
ደቂ ኡላም ምግታር ቀስቲ ዝኽእሉ፥ ተባዓት ተዋጋእቲ ነበሩ። ንኣኣቶምውን ብዙሓት ደቅን ደቅ ደቅን ነበርዎም። ኵሎም ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ብንያም ነበሩ።
ንሱ ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ተወሊዶሙሉ ነበሩ።
መንትጎም ነጕባዝ ከውድቖም እዩ፤ ንፍረ ማህፀን ድማ ኣይምሕሩን እዮም፤ ኣዒንቶምውን ንህፃናት ኣይርህርሁሎምን እዮም።
እንሆ፥ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዝነብር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይን ነቶም ንሱ ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እስራኤል ምልክትን ተኣምራትን ኢና።
ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ክህበኩም፥ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ ፍረ ኸርስኹምን ፍረ እንስሳኹምን ፍረ ምድሪኹምን እግዚኣብሄር ኣፀቢቑ ኸብዝሐልኩም እዩ።
“ፍረ ከርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ፍረ እንስሳኹምን፥ ምውላድ ኣላሕምኩምን ምፍራይ ኣባጊዕኹምን ከዓ ቡሩኽ ክኸውን እዩ።
ንሱ ሰላሳ ኣወዳትን ሰላሳ ኣጓላትን ነበርዎ፤ ነቶም ኣወዳቱ ኻብ ዘይዓሌቱ ኣጓላት ኣምፅአሎም። ከምኡውን ነተን ኣጓላቱ ናብ ዘይዓሌቱ ሃበን። ንደቂ እስራኤል ከዓ ሸውዓተ ዓመት ፈረዶም።
ነዝ ህፃንዙይ ክህበኒ እየ ዝልምን ዝነበርኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ እቲ ዝለመንክዎ ሂቡኒ።