1 እግዚኣብሄር ቤት እንተ ዘይሓነፀ፥ ሃነፅቲ ብኸንቱ ይደኽሙ። እግዚኣብሄር ከተማ እንተ ዘይሓልዩ፥ ሓላዊ ብኸንቱ ይተግህ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፥ ከምቲ ዘተስፈዎ፥ ጥበብ ሃቦ። ኣብ መንጎ ኪራምን ሰሎሞንን ከዓ ሰላም ነበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኺዳን ተኣታተዉ።
ሕዚ ኸዓ ኣስተውዕል፦ ንመቕደስ እትኸውን ቤት ክትሰርሕ ሓርዩካ እዩ እሞ፥ ጠንኪርካ ስራሕ።”
ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ኣምላኸይ፥ ምሳኻ እዩሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ስራሕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበርውን። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ኵሉ ስራሕ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ንሱ ኣይጠልመካን፤ ኣይሓድገካን ከዓ እዩ።
ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ስርዓታትካን ሕግጋትካን ክሕሉ፥ ንዅሉ ድማ ኽፍፅሞ፥ ነዝ ኣነ መስርሒኡ ኣዳልየሉ ዘለኹ ቤተ መቕደስ ክሰርሕውን ፍፁም ልቢ ሃቦ።”
ብጊዜ ጭንቀተይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ንሱውን ሰምዐኒ።
ኣዒንተይ ናብ እምባታት ኣልዓልኩ፤ ረድኤተይ ካበይ ይምፃእ?
“ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ” ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ።
ኣታ ኣብ ሰማይ እትነብር ጐይታ፥ ኣዒንተይ ናባኻ አልዕል ኣለኹ።
እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይኸውን፥
እቶም ብእግዚኣብሄር ዝተኣመኑ፥ እንተይተናወፀ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፥ ከም እምባ ፅዮን እዮም።
እግዚኣብሄር ንምርኮ ፅዮን ምስ መለሰ፥ የመና ሕጉሳት ኮንና።
ኦ ጐይታ! ፍትሕኻ ንንጉስ፥ ፅድቅኻ ድማ ንወዲ ንጉስ ሃብ።
መቕደሱ ኣብ ኣርያም ሰርሐ፤ ኣብ ምድሪ እውን ንዘለኣለም መስረታ።
ልቢ ሰብ መንገዱ የዳሉ፤ ነካይዳኡ ዘቃንዐሉ ግና እግዚኣብሄር እዩ።
ኣነውን ተመሊሰ፥ ኣብቲ ትሕቲ ፀሓይ፥ ጕያ ንፈጣናት፥ ውግእ ንጀጋኑ፥ እንጀራ ንጥበበኛታት፥ ሃብቲ ንመስተውዓልቲ፥ ሞገስ ንፈላጣት ከም ዘይኾነ ረአኹ፤ ጊዜን ዕድልን ግና ንዅሎም ይራኸቦም።
ኣብ ከተማ ዝዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ፤ “ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ርኢኹምዎዶ?” ኢለ ኸዓ ጠየቕክዎም።
ነታ ኸተማ እናዞሩ ዝሕልዉ ረኸቡኒ፤ ወቕዑኒ፤ ኣቝሰሉኒውን፤ ሓለውቲ ቐፅሪ ድማ መጐልበብየይ ገፈፉኒ።
ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፤ ኵልሻዕ ማይ ኣስትዮ፤ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፥ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣለኹ።
ሓለውቲ እስራኤል ዕውራት እዮም፤ ፍልጠት የብሎምን፤ ኵሎም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፤ ሕልሚ ይሓልሙ፤ ይጋደሙ ድቃስውን ይፈትዉ እዮም።
ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ልዕሊ ቕፅርኺ፥ ሓለውቲ ኣቚመ ኣለኹ፤ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ፤
ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ሓለዋ ኣጠንክሩ፤ ሓለውቲ ኣቑሙ፤ ኣድብዮም ዘጥቅዑ ኣዳልዉ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ህዝቢ ኽገብሮ ወሲንዎ ዘሎ ኽፍፅሞ እዩሞ።
ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዅሉ ወገን ከም ዝተትሓዘት ከውርዩሉ፥ እቲ ሓደ ጐያዪ ናብቲ ሓደ ጐያዪ፥ እቲ ሓደ ልኡኽ ከዓ ናብቲ ሓደ ልኡኽ ክራኸብ ይጐዪ።
ክርስቶስ ዘይተስአ እንተ ኾይኑ ድማ፥ ስብከትና ኸንቱ እዩ፤ እምነትኩምውን ከንቱ እያ።
እቲ ዘዕቢ እግዚኣብሄር ደኣ እምበር፥ እቲ ዝተኸለ ኾነ፥ እቲ ዘስተየ ዝጠቅም የብሉን።
ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሕ ኣለኹ።
ግና ኸምዝ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳን ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ሃብቲ ኽትእክቡ ሓይሊ ዝህበኩም፥ ንሱ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘክርዎ።
ንጉስ ኢያሪኮ ኸዓ “እንሆ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ክስልይዋ፥ ሰባት ብለይቲ ናብዙይ ኣትዮም ኣለዉ” እንትበሃል ወረ ሰምዐ።