7 እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ፤ ኣነውን ኣብ ልዕሊ ፀላእተይ ክርኢ እየ።
ሽዑ ናብቲ ደሓር ሓለቓ ሰላሳ ዝኾነ ኣማሳይ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረደ እሞ፥ “ኣታ ዳዊት ንሕናስ ናትካ ኢና፤ ኣታ ወዲ እሴይ ንሕናስ ምሳኻ ኢና። ኣምላኽካ ሓጊዙካ እዩ እሞ ሰላም፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን ንሓገዝትኻውን ሰላም ይኹን” በለ። ዳዊት ከዓ ተቐበሎም፤ ኣሕሉቕ ጭፍራ ድማ ገበሮም።
ትምኒቱ ኣብ ፀላእቱ ኽሳዕ ዝርኢ፥ ልቡ ተባዕ እዩ፤ ኣይፈርሕን።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ረዳኢየይ እዩ፤ ጐይታይውን ንነፍሰይ ደጋፊኣ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ብፍቓደይ መስዋእቲ ኸቕርበልካ እየ፤ ኦ ጐይታ፥ ሰናይ እዩ እሞ፥ ንስምካ ኸመስግን እየ።
ካብ ኵሉ መከራ ኣድሒኑኒ እዩ እሞ፤ ዓይነይውን ኣብ ልዕሊ ፀላእተይ ሪኣ እያ እሞ።
ኣብ ልዕለይ ብዙሓት ነበሩሞ፥ ካብ ዝቐርቡኒ፥ ንነፍሰይ ብሰላም ኣድሕና።
ሕያዋይነት ኣምላኸይ ይርከበኒ፤ ኣምላኸይ፥ ኣብ ፀላእተይ የርእየኒ።
ሕግኻ ኸይርስዑስ ኣይትቕተሎም፤ ኦ ዋልታይ፥ ብሓይልኻ በትኖምን ኣውርዶምን።
ዓይነይ ኣብ ፀላእተይ ክትርኢ እያ፤ እዝነይውን ኣብ ልዕለይ ብዝተልዓሉ ኽፉኣት ክትሰምዕ እያ።
ንየማነይቲ ኢድካ ሒዘ፥ ‘ክድግፈካ እየ’ ዝብለካ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየሞ ኣይትፍራሕ።”