3 ሕያዋይ ከም ዝኾነ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዝኾነ፥ ቤት ኣሮን ሕዚ ይንገሩ።
ቤት ኣሮን፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።
ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።
ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ድማ፥ መንግስትን ካህናትን ዝገበረና፥ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።