12 ንህቢ ንመዓር ከም ዝኸብብ ከበቡኒ፤ ሓዊ ኣብ ውሽጢ እሾኽ ከም ዝነድድ ነደዱ፤ ብስም እግዚኣብሄር ድማ ኣሰነፍኩዎም።
ኵሎም እቶም ዓመፀኛታት ሰባት ግና፥ ከምቲ ብኢድ ሰብ ዘይተሓዝ፥ ዝተድርበየ እሾዅ እዮም።
ብመዓልቲ መከራኻ እግዚኣብሄር ይስማዕኻ፤ ስም ኣምላኽ ያእቆብውን የቑምካ።
ብምድሓንካ ደስ ይብለና፤ ብስም ኣምላኽና ልዕል ልዕል ክንብል ኢና፤ ንዅሉ ልመናኻ እግዚኣብሄር ይፈፅመልካ።
ዕሾኽኩም እንተይተፈልጠ በትሪ ኾነ፤ ህያዋን እንተለኹም፥ ብመዓቱ ኽምንጥለኩም እዩ።
ኦ እግዚኣብሄር ጐይታና፥ ስምካ ኣብ ኵላ ምድሪ የመና ተመስገነ።
ሰሓቕ ዓሻ ኸምቲ ኣብ ትሕቲ ቝራዕ ብሓዊ ዝቃፀል እሾዅ እዩ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
ደጊም ቍጥዓ የብለይን፤ ኳዂቶን እሾዅን ክዋግኡኒ እንተ ዝትስኡ፥ ተሲአ ብሓደ መቃፀልክዎም።
ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ኽነዱ፥ ከምቲ ተቘሪፁ ኣብ ሓዊ ሞዅ ዝብል ቈጥቋጥ እሾዅ ክኾኑ እዮም።
ምንም እኳ ንስንሳቶም ከም ዝተመሰቓቐለ እሾዅ እንተ ኾኑ፥ ብመስተኦምውን እንተ ሰኸሩ፥ ከም ንቑፅ ሓሰር፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።
እቶም ኣብቲ ደጕዓ ዝነብሩ ኣሞራውያን ድማ ወፂኦም ተዋግኡኹም፤ ከምቲ ንህቢ እተሳጕጎ ድማ ኣሳጐጕኹም፤ ካብ ሴይር ጀሚሮም ክሳዕ ሔርማ ወቕዑኹም።
ዳዊት ከዓ ነቲ ፍልስጥኤማዊ፦ “ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመፀኒ ኣለኻ። ኣነ ግና ብስም እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ በቲ ንስኻ እተባጭወሉ ዘለኻ ኣምላኽ ሰራዊት እስራኤል፥ እመፀካ ኣለኹ።