8 ፀላእተይ ኵሉ ጊዜ ይፀርፉኒ፤ እቶም ዘሳጕጉኒውን ኣብ ልዕለይ ተመሓሓሉለይ።
ኣህዛብ ስለ ምንታይ እዮም ዘጕረምርሙ? ህዝብታትከ ንምንታይ ከንቱ ነገር ዝዛረቡ?
ፀላእተይ “መኣዝ እዩ ዝመውት? መኣዝከ እዩ ስሙ ዝሰዓር?” እናበሉ፥ ኣባይ ክፉእ ይዛረቡ ኣለዉ።
ካብ ድምፂ ፀላእየይን፥ ካብ ግፍዒ ዓመፀኛን ዝተልዓለ፥ ንዓመፅ ኣብ ልዕለይ ደርብዮምለይ እዮምሞ፤ ብቝጥዓውን ፀሊኦምኒ ኣለዉ።
ነፍሰይ ፀርፍን ሓሳርን ተዓገሰት፤ ዘተሓዛዝነኒ ደለኹ፤ ግና ኣይረኸብኩን፤ ዘፀናንዐኒውን ሰኣንኩ።
ነቲ ናይ ቀደም ዘመን ዘከርኩ፤ ናይ ዘለኣለም ዓመታትውን ሓሰብኩ፤ ኣስተንተንኩውን።
ኦ ጐይታ፥ ፀላእትኻ ዝፀርፍዎ ፀርፊ፥ ነቲ ዝቐባእኻዮ ዘመን ዝፀርፍዎ ዘለዉ ፀርፊ ዘክር።
ኣብቶም ሕሩያተይ፥ ንስምኩም መራገሚ ጌርኩም ክትሓድግዎ ኢኹም፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ከዓ ኽቐትለኩም እዩ፤ ነቶም ባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክፅውዖም እዩ።
እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዅላቶም ምሩኻት ይሁዳ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር! ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ሴዴቅያስን ኣክኣብን ይግበርካ፤ ኢሎም ክራገሙ እዮም።
ንሳቶም ግና የመና ተናደዱ፤ ንኢየሱስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ድማ ንስንሳቶም ተማኸሩ።
ኣብ ኵሉ ኣብያተ ፀሎት ድማ፥ ብዙሕ ጊዜ እናቐፃዕኹ፥ እምነቶም ከም ዝኽሕዱ ገበርክዎም፤ የመና እናደድ ስለ ዝነበርኩ ኸዓ፥ ክሳዕ እተን ኣብ ወፃኢ ዝነበራ ኸተማታት እናሰዓብኩ፥ ኣሳጕጎም ነበርኩ።”
ንሳቶም ከዓ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ልቦም ነደደ፤ ኣስናኖምውን ሓርቀሙሉ።
ከምቲ ፅሑፍ “ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻ፥ ኣባይ ወደቐ” ዝብሎ፥ ክርስቶስውን እንተ ኾነ፥ ንባዕሉ ኣየሐጐሰንሞ።