2 ብመዓልቲ መከራይ ገፅካ ኻባይ ኣይትመልስ፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ኣብ ዝፀዋዕኹኻ መዓልቲ ቐልጢፍካ ስምዐኒ።
ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥ ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥ ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ፥ መን እዩ ዝዅንኖ? ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ?
ስለ ምንታይከ ኢኻ በደለይ ይቕረ ዘይትብለለይ? ሓጥያተይከ ንምንታይ ዘይትሓድገለይ? ኣነስ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኽድቅስ እየ እሞ፥ ንግሆ ኽትደልየኒ ኢኻ፤ ግና ኣይትረኽበንን።”
ንስኻ ገፅካ ምስ መለስካ ግና ይድንግፁ፤ እስትንፋሶም ተውፅእ እሞ ይሞቱ፤ ናብ መሬቶምውን ይምለሱ።
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ፈፂምካ እትርስዐኒ? ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ኻባይ ገፅካ እትኽውል?
ኦ ጐይታ፥ መንፈሰይ ሃሊቓ እያሞ፥ ቀልጢፍካ ስምዐኒ፤ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይከውን፥ ገፅካ ኻባይ ኣይትኸውል።
ኦ ጐይታ፥ ፅድቀይ ስማዕ፤ ንኣውያተይውን ኣድምፅ፤ ካብ ጠባሪ ከንፈር ዘይኮነ ፀሎተይውን ስማዕ።
ኦ ጐይታይ! ንስኻ ግና ኻባይ ኣይትርሓቕ፤ ኣታ ሓይለይ፥ ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን።
ገፅካ ካባይ ኣይትሰውር፤ ተቘጢዕኻ ኻብ ባርያኻ ድሕር ኣይትበል፤ ረዳኢ ኹነኒ፤ ኣይትደርብየኒ፤ ኦ ኣምላኽ መድሓኒተይ ኣይትሕደገኒ።
እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ቀልጢፍካውን ኣድሕነኒ፤ ምእንቲ ኽተድሕነኒ መተኣማመኒ ኣምላኽን፥ መፀግዒ ቤትን ኩነኒ።
ኦ ጐይታ፥ ክተድሕነኒ ፍቐድ፤ ኦ ጐይታ፥ ንምርዳአይ ፍጠን።
ካብ ባርያኻ ገፅካ ኣይትሰውር፤ ተጨኒቐ ኣለኹሞ፥ ቀልጢፍካ መልሰለይ።
ኦ ጐይታ፥ ንኣይ ንምድሓን ተመልከት፤ ኦ ጐይታ፥ ንኣይ ንምርዳእውን ፍጠን።
ብፅድቅኻ ኣድሕነንን ኣናግፈንን፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ኣድሕነኒውን።
ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንጉስ ግብፂ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከዓ ባርነት መሪሩዎም በኸዩ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ጠርዑ። እቲ ብዛዕባ ባርነቶም ዝገበርዎ ኣውያት ድማ ናብ እግዚኣብሄር ዓረገ።
እግዚኣብሄርውን ኣውያቶም ሰምዐ። እግዚኣብሄር ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሓቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ቓል ኺዳን ዘከረ።
ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።
ከምዙይ ክኸውን ድማ እዩ፦ እንተይፀውዑኒ ኽምልሰሎም፥ ገና ዘረባኦም እንትጅምሩ ኽሰምዖም እየ።
ካብ ቤት ያእቆብ፥ ገፁ ንዝመለሰ እግዚኣብሄር እፅበ ኣለኹ፤ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣለኹ።
ኣብ ሰብ ካብ ዝበፅሕ ፈተና ንላዕሊ ኣይበፅሐኩምን። ስለዙይ፥ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ዘይፈቅድ እግዚኣብሄር፥ እሙን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና፥ ምስቲ ፈተና መውፅኢ ኽገብረልኩም እዩ።