15 ኦ ጐይታ፥ ኣህዛብ ንስምካ፥ ኵሎም ነገስታት ምድሪ እውን ንኽብርኻ ኽፈርሑ እዮም።
ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ እሞ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ክፈርሑኻ፥ እዛ ዝሰራሕኽዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ብስምካ ኸም ዝተሰምየት ክፈልጡስ፥ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፤ ነቲ ጓና ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ዝለመነካ ግበረሉ።
እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰማዕኹ፥ ብዙሕ መዓልቲ ተቐሚጠ በኸኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እፀውምን እፅልን ነበርኩ።
ሽዑ ኣነ፥ “ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ መከራ ኸም ዘለና፥ ኢየሩሳሌምውን ባዲማ፥ ደገታታ ኸዓ ብሓዊ ኸም ዝተቓፀለ ንስኻትኩም ትሪኡ ኣለኹም፤ እምበኣርከስ ንዝመፅእ ጊዜ መሳለቒ ኸይንኸውን፥ ንዑናይ፥ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ንስራሕ” በልክዎም።
መሊሰ ኸዓ “ንጉስ ንዘለኣለም ንበር፤ መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ፥ ፈሪሳ፥ ኣፍ ደገታታውን ብሓዊ ተቓፂለን ደኣ፥ ገፀይ ከመይ ዘይሓዝን?” በልክዎ።
ኦ ጐይታ፥ ቃል ኣፍካ ሰሚዖም እዮምሞ፥ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኸመስግኑኻ እዮም።
ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኸዓ ኽሰግዱሉ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ክግዝኡሉ እዮም።
ኦ ጐይታ፥ እቶም ኵሎም ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱ፤ ንስምካውን ከኽብሩ እዮም።
እንሆ፥ ንዘይትፈልጦ ህዝቢ ኽትፅውዕ ኢኻ፤ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥ ኣኽቢሩካ እዩሞ፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ዘይፈልጠካ ህዝቢ ናባኻ ኽጐዪ እዩ።”
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።
ኵሎም ህዝብታት፥ ብብርሃና ኽመላለሱ፥ ነገስታት ምድሪ እውን ክብሮም ናብኣ ኸምፅኡ እዮም።