Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መዝሙረ ዳዊት 102:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ትነብር፤ መዘከርታኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




መዝሙረ ዳዊት 102:12
15 Referencias Cruzadas  

ከም ዕምበባ ይዕምብብ እሞ ይረግፍ፤ ከም ፅላሎት ይሃድም፤ ኣይፀንዕንውን።


ንሕና ዝኾነ ዘይንፈልጥ ትማሊ ዝተወለድና ኢና፤ መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት እየን።


ከም ዝሓለፈ ፅላሎት ሃለቕኩ፤ ከም ኣንበጣውን ረገፍኩ።


ኦ ጐይታይ፥ ስምካ ንዘለኣለም እዩ፤ መዘከርታኻውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።


እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፤ ዙፋኑውን ንፍርዲ ኣዳለወ።


ብንጉሆ ይበቍል፥ ይሓልፍውን፤ ኣጋ ምሸት ግና ፀምልዩ ነቒፁ ይወድቕ።


እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ናባኻትኩም ልኢኹኒ። እዙይ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ በዝ ስም እዙይ ክዝከር እየ።


ንጉስ እስራኤልን፥ ቤዛኡ ዝኾነ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ቀዳማይን ዳሕረዋይን ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።


“ሓደ እኳ ብኣኺ ዘይሓልፍ ሕድግትን ፅልእትን ነበርኪ፤ ኣነ ግና ዘለኣለማዊ መመክሒት፥ ናይ ትውልድታት ከዓ ደስታ ኽገብረኪ እየ።


ንስኻ ግና ኦ እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ትነብር፤ ዙፋንካ ኸዓ ኻብ ትውልዲ ኽሳዕ ትውልዲ ይነብር፤


ዘለኣለማዊ ኣምላኽ መንበሪኻ እዩ፤ ዘለኣለማዊ ቐላፅሙ ድማ ኣብ ትሕቴኻ እየን፤ ንፀላኢኻ ኻብ ቅድሜኻ ኣውፂኡ፥ ኣጥፍኣዮ ይብለካ።


ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos