1 ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስምዐኒ፤ ኣውያተይውን ኣባኻ ይብፃሕ።
እቶም ሌዋውያን ካህናት ከዓ ተሲኦም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፤ ድምፆምውን ተሰምዐ፤ ፀሎቶምውን ናብ ቅዱስ ማሕደሩ ናብ ሰማይ ዓረገ።
“ምእንቲ ግፍዒ ጥቑዓትን ምእንቲ ብኽያት ምስኪናትን ሕዚ ኽትስእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕነት ክገብር እየ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክገልፆ እየ።”
ስለዙይ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ደኸመት፤ ልበይውን ኣብ ውሽጠይ ደንገፀት።
ኦ ጐይታ፥ መንፈሰይ ሃሊቓ እያሞ፥ ቀልጢፍካ ስምዐኒ፤ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይከውን፥ ገፅካ ኻባይ ኣይትኸውል።
ድልየት እቶም ዝፈርሕዎ ይፍፅም፤ ኣውያቶም ይሰምዕ፤ የድሕኖምውን።
ብጊዜ መከራይ ንእግዚኣብሄር ፀዋዕኹዎ፤ ናብ ኣምላኸይውን ኣእዌኹ፤ ካብ መቕደሱውን ድምፀይ ሰምዐ፤ ገዓረይውን ኣብ ቅድሚኡ ናብ ኣእዛኑ ኣተወ።
ኣነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስደተኛ፥ ከም ኣቦታተይውን ጋሻ እየሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ንኣውያተይውን ፅን በሎ፤ ንንብዓተይውን ሸለል ኣይትበሎ።
እዙይ እንትሓስብ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ መንበሪ ምስጋና ኽኣቱ እየሞ፤ እቶም በዓል ዝገብሩ ሰባት ቃል ሓጐስን ምስጋናን ኣስምዑ።
ኦ ንጉሰይን ኣምላኸይን፥ ናባኻ እፅሊ ኣለኹ እሞ፥ ንቓል ኣውያተይ ኣድምፅ።
ልበይ ተስፋ ምስ ቈረፀ፥ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ኣብ ልዕሊ እምኒ ልዕል ልዕል ኣበልካኒ።
ኵልኻትኩም ማሕበር ህዝቢ፥ ብእኡ ተኣመኑ፤ ልብኹምውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፤ እግዚኣብሄር ረዳኢና እዩ።
ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፤ ደስውን በለኒ፤ ተናገርኩ፤ ነፍሰይ ድማ ፈዘዘት።
ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንጉስ ግብፂ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከዓ ባርነት መሪሩዎም በኸዩ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ጠርዑ። እቲ ብዛዕባ ባርነቶም ዝገበርዎ ኣውያት ድማ ናብ እግዚኣብሄር ዓረገ።
ፀሎትና ከይሓልፍ፥ ንባዕልኻ ብደመና ኸደንካ።
ሓገዝ ደልየ እንተ ጠራዕኹን እንተ ኣእዌኹን እኳ፥ ንፀሎተይ መሕለፊ ዓፀወሉ።
የመና ተጨኒቑ ስለ ዝነበረ፥ ኣበርቲዑ ፀለየ። ረሃፁ ኸም ነጠብጣብ ደም፥ ናብ ምድሪ የንጠብጥብ ነበረ።
ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ።
ሽዑ ነቶም ባዕዳን ኣማልኽቲ ኻብ ማእኸሎም ኣወገዱ፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣምለኹ። እግዚኣብሄር ከዓ ንመከራ እስራኤል ክፅመም ኣይከኣለን።
“ስቓይ ህዝበይ ሪአ፤ ገዓሮም ከዓ ናባይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፤ ንእኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ክኸውን ቅብኣዮ፤ ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም እዩ።”