Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መዝሙረ ዳዊት 101:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ነቶም ዓመፀኛታት፥ ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸጥፍኦም፥ ንዅሎም ሓጢኣተኛታት ምድሪ ድማ ኣንጊሀ ኽቐትሎም እየ።

Ver Capítulo Copiar




መዝሙረ ዳዊት 101:8
16 Referencias Cruzadas  

ወሓዚ ሩባታት፥ ንኸተማ እግዚኣብሄር፥ ደስ የብላ፤ ልዑል ንመሕደሪኡ ቐደሰ።


ብወገን ሰሜን ኣብቲ ፅቡቕ ስፍራ ዝቖመ፥ ናይ ኵሉ ምድሪ ሓጐስ እምባ ፅዮን እዩ፤ ንሱውን ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እዩ።


ከምቲ ሰሚዕናዮ ዝነበርና፥ ከምኡ ረአና፤ ኣብታ ኸተማ ጐይታ ሰራዊት፥ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ከፅንዓ እዩ።


ንዅሉ ኣቕርንቲ ሓጥኣን ክሰብሮ እየ፤ ኣቕርንቲ ፃድቃን ግና ልዕል ልዕል ክብሉ እዮም።


ቀርነይ ግና ሓደ ቐርኒ ኸም ዘለዎ ጐባይ ልዕል ልዕል ይብል፤ ብሓድሽ ዘይቲውን ክቕባእ እየ።


ዙፋን ብፅድቂ እዩ ዝፀንዕሞ፥ ግፍዒ ምስራሕ ብነገስታት ፅሉእ እዩ።


ለባም ንጉስ ነቶም ረሲኣን ብመስአ የዝርዎም፤ መንኰራዅሩውን ኣብ ልዕሊኣቶም የንኰርኵረሎም።


ኣብ ዙፋን ፍርዲ ዝተቐመጠ ንጉስ፥ ክፍኣት ንዝኾነ ዅሉ በዒንቱ ይፈልዮ።”


ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ኣይነብሩን እዮም፤ ኤፍሬምውን ናብ ግብፂ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ኣሶር ከዓ ርኹስ ምግቢ ኽበልዑ እዮም።


ኣቱም ፍትሒ እትንዕቑ፥ ቅኑዕ ንዝኾነ እትጠውዩ፥ መራሕቲ ቤት ያእቆብን ገዛእቲ ቤት እስራኤልን፥ በይዛኻትኩም እዙይ ስምዑ።


እቶም፥ ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት፥ ዝተፅሓፉ ደኣ እምበር፥ ርኽሰት፥ ኵሉ ዘፀይፍን ሓሰትን ዝገብር፥ ናብኣ ኸቶ ኣይኣቱን እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos