5 ነቲ ንብፃዩ ብሕቡእ ዝሓሚ ንእኡ ኸሳጉጎ እየ፤ እቲ ዕቡይ ዓይንን ስሱዕ ልብን ምሳይ ኣይተሓባበርን።
እግዚኣብሄር ልዑል እዩሞ፥ ነቶም ትሑታን ይምልከቶም እዩሞ፥ ንትዕቢተኛታትውን ካብ ርሑቕ ይፈልጦም።
ብልሳኑ ዘይጥብር፥ ንመሓዛኡ ኽፉእ ዘይገብር፥ ቤተሰቡውን ዘይፀርፍ፥
ንስኻ ንጥቑዕ ህዝቢ ተድሕኖ ኢኻሞ፤ ንዓይኒ ትዕቢተኛታት ግና ተዋርዶ።
ተቐሚጥካ ንሓውካ ሓመኻዮ፤ ንወዲ እኖኻውን ዕንቅፋት ኣቐመጥካ።
“ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።
“ወረ ሓሰት ኣይትቀበል። ሓሲኻ ንኽትምስክርውን ምስ ዓማፂ ኢድካ ኣይተልዕል።
ፅልኢ ዝሓብእ ሓሰውቲ ኸናፍር ኣለዋኦ፤ ሓሜት ዝዝርግሕ ከዓ ዓሻ እዩ።
እቲ እናዞረ ዝሓሚ ምስጢር የውፅእ፤ ከንፈሩ ምስ ዘሞጥሙጥ ሰብውን ኣይትራኸብ።
ትዕቢተኛ ዓይንን፥ ትምክሕተኛ ልብን፥ ናይ ክፉኣት ግራት፥ ሓጢኣት እዩ።
ከምቲ ንፋስ ሰሜን፥ ዝናም ዘምፅእ፥ ሓማዪት ልሳን ድማ ገፅ ተፀውግ።
ልዕል ልዕል ዝበሉ ኣዒንቲ ዘለውዎ፥ ቀራንብቱውን ንላዕሊ ዝሪኣ ትውልዲ ኣሎ፤
ዓይኒ ትዕቢተኛታት ክዋረድ፥ ትምክሕቲ ሰብ ከዓ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
ንምፍሳስ ደም ከተርቲ ሰባት ኣባኺ ነበሩ፤ ኣባኺ ኣብቶም ኰረብታታት በልዑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ዝሙት ገበሩ።
“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”
ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሓሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣይትዙር፤ ኣብ ልዕሊ ደም ብፃይካ ኣይትቑም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ካብቲ ፈሪሳዊ፥ እቲ ተቐባሊ ቀረፅ፥ ፀዲቑ ናብ ገዛኡ ኸም ዝተመለሰ እብለኩም ኣለኹ፤ ኵሉ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል፥ ክዋረድ፥ ኵሉ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ።”
ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ኣመንቲ ኢና ኻብ ዝብሉ ግና፥ ዘመውቲ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ሰኸርቲ፥ ወይ ከተርቲ ምስ ዝኾኑ ሰባት ከይትሕወሱ፥ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባትውን፥ ከቶ ኸይትበልዑ ኢለ እየ እምበር፤
ኣንስትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ዘይሓምያ፥ ብመጠን ዝነብራ፥ ብዅሉውን እሙናት ክኾና ይግባእ።
ነተን ኣረጋውያትውን፥ ከምኡ ብቕድስና ዝነብራ፥ ዘይሓምያ፥ ዘይሰኽራ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንንኡሳት ኣንስቲ ዝምህራ ክኾና መዓደን።
ኣይትመክሑ፤ ብትዕቢትውን ኣይትናገሩ፤ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ፤ እግዚኣብሄር ኵሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ንግብርታትውን ይመዝን እዩሞ።