Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መዝሙረ ዳዊት 101:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ቀይናን ልቢ ኣይተኸተለንን፤ ክፉእ ካባይ ምስ ረሓቐ ኣይፈለጥኩን።

Ver Capítulo Copiar




መዝሙረ ዳዊት 101:4
15 Referencias Cruzadas  

ትእዛዛት ኣምላኸይ ክደልስ፥ ኣቱም ዓመፀኛታት ካባይ ረሓቑ።


ከንቱ ኣብ ዝኾነ ባይቶ ኣይተቐመጥኩን፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይኣተኹን።


ማሕበር ክፉኣት ፀላእኹ፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይቕመጥን እየ።


እግዚኣብሄር ንድምፂ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፤ ኣቱም ገበርቲ ዓመፅ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ።


እግዚኣብሄር ነቶም ጠዋይ ዝልቦም ይፅየፎም፤ ብመንገዶም ፍፁማት ዝኾኑ ግና ዝተፈተዉ እዮም።


መንገዶም ምእንቲ ኸይትመሃር እሞ፥ ንነፍስኻ ኸይተፃውደላ፥ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሓዞ፤ ምስ ቍጡዕ ኸዓ ኣይትኺድ።


ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፃድቃን ፍንፉን እዩ፤ እቲ ብቕኑዕ መንገዲ ዝመላለስ ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ሓጢኣተኛታት ፅሉእ እዩ።


ቀይናን ዝኾነ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርዅስ እዩ፤ ፍቕሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።


ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ንኽፍኣት ምፅላእ እዩ፤ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን፥ ክፉእ ኣካይዳን ዘረባ ሓሰትን እፀልእ እየ።


ብህይወት ክትነብሩስ ስንፍና ሕደጉ፤ ብመንገዲ ምስትውዓል ድማ ተመላለሱ።


ሽዑ ኣነ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ከቶ ኣይፈልጠኩምን፤ ካባይ ረሓቑ!’ ኽብሎም እየ።”


ስለዙይ ኣብ ከፈር ገይሮም፥ በቲ ኣብቲ ቕፅሪ ዝነበረ መስኮት ኣውረዱኒ እሞ፥ ካብ ኢዱ ኣምለጥኩ።


ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል፥ ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos